Friday , May 17 2024
photo: primestock

ኦክስፋም፡ “ኲናት ዩክሬይን ጥሜት ከስዕብ ይኽእል እዩ” 

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደገኛ ቅልውላው መግቢ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኦክስፋም ኣጠንቂቑ።  ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሓደ ካብዞም ጠንቂታት እዚ ተኽእሎ ጥሜት እዩ ተባሂሉ’ሎ። 

ከምኒ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ብፍላይ ነዚ ሓደጋ ጥሜት ተጠቃዕቲ እየን ክትብል ዳይረክተር ኦክስፋም ገብርኤላ ጠንቂቓ’ላ። ዋላኳ ናይ ዝናብ ወቕቲ ኣብዚ ወርሒ ዝጅምር እንተኾነ ነቲ ኲነታት ዘመሓይሾ ኣይኮነን—ክሳብ 28 ሚልዮን ህዝቢ በዚ ጥሜት ክጥቃዕ ይኽእል እዩ–ኢሉ’ሎ እቲ ትካል። 

ውጽኢት እቲ ኲናት ድርብ እዩ ብመሰረት ኦክስፋም። ብቐዳምነት ኣቓልቦ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ናብቲ ኲናት ብምባሉ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝወሓደ ስራሕ ንኽዓዪ ምኽንያት ክኸውን እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ሃገራት ምብራ ኣፍሪቃ ክሳብ  90% ምህርቲ ስርናይ ካብ ዩክሬይንን ሩስያን ይሽምታ ብምንባረን እዚ ኲናት ነዚ ግብኣት ኣዝዩ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ወሲኹ ኣመልኪቱ። ዛጊት ኣስታት 21 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጥሜት ምህላዉ ኖርወይ ቱደይ ን ኦክስፋም ብምጥቃስ ጸብጺቡ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com