Wednesday , May 15 2024
Petrol Stations in Nairobi display new prices for a litre of petrol, Tuesday, Nov. 2, 2004. The minister for Energy in the Kenya government, Simon Nyachae reacted sharply Monday to galloping oil prices and threatened to reintroduce controls if oil companies continue to raise charges. He was reacting to a week-long rise in the price of petroleum products, which saw petrol sell at a record KShs74.50 (US dollors 0.94) a litre at the weekend. (AP Photo/Sayyid Azim) COPYRIGHT SCANPIX SWEDEN Code: 436

ኬንያውያን ብወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ይቚጥዑ  

ዋጋ ነዳዲ ብምውሳኹ ኬንያውያን ቊጥዐኦም ይገልጹ ምህላዎም ቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብታ ዋጋ ነዳዲ ዝትምን ትካል ኤፕራ ንሊትሮ 130 ሺልን (1.2$) ክሽየጥ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ኬንያ ብሰንኪ ዓለማዊ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲን ውሽጣዊ ወሰኽ ቀረጽን ዋጋ ነዳዲ ክንህር ጸኒሑ’ሎ።

ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ንኸይክሰት ብምባል መንግስቲ ንዕዳጋ ነዳዲ ክድጒም እኳ እንተጸንሐ ካብ ትማል ኣትሒዙ ናይ 6% ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከም እተኣወጀ ተፈሊጡ።

ኣብ ኬንያ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ መነባብሮ ክኸብር ካብ ዝገብሩ ረቛሒታት ምዃኑ ይፍለጥ።

“ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዋጋታት ኤለትሪክን መግቢን እውን ይድይብ ኣሎ” ክብል ሓደ ኬንያዊ ኣብ ኦንላይን ጽሒፉ’ሎ።

“እዚ ዕብዳን እዩ፥ ብፍላይ ሰብመካይንን ነጋዶን ክንህሰ ኢና”! ክብል ካልእ ዜጋ እውን ርእይቶኡ ኣስፊሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com