Wednesday , May 15 2024

ዜጋታት ካብ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ፓስታ ክጥንቀቑ ፖስትኖርድ ይሕብር።

ናይ ሓሶት መልእኽቲታት ብብዝሒ ኣብዚ እዋን ይፍኖ ምህላዉ ፖስኖርድ ሓቢሩ። ኣብ ኢሜይል ተቐበልቲ ናይ መጓዓዓዚ 15 ክሮና ክኸፍሉ ብሓሶት ይሕተቱ ምህላዎም ፓስኖርድ ዜጋታት ዝያዳ ትኩርነት ክገብሩ ይመክር። ምስ ምምጻእ ልደት ብዙሓት ሰባት ዕሹግ መልእኽቲ ክመጾም ከም ዝጽበዩ ብምፍላጥ እዮም ነዚ ዝገብሩ ዘለዉ ክትብል ኣብ ፖስትኖርድ ሓላፊት ፕረስ ኣና ክጄላንደር ሓቢራ።

ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብርክት ዝበሉ ናይ ፌይስቡክ ተጠቀምቲ ናይ መጓዓዓዚ ክፍሊት ፖስኖርድ ኦንላይን ክፍጽሙ ወይ ናይ ዝበጽሖም ሎተሪ መሳለጢ ክኸፍሉ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ይበጽሖም ምህላዉ ድማ ኣመልኪታ። ንሕና ዝኾነ ገንዘብ ስለ ዘይንሓትት ክፈሉ ዝብል መልእኽቲ እንተ በጺሕኩም ናይ ሓሶት ምዃኑ ምልላይ ይግባኣኩም ኢላ። ሓደ ካብዚ ኣገባባት ናይ ለኣኺ ኣድራሻ ምርኣይን ይከኣል እዩ ኢላ። ኣብዚ ግዜዚ ፖሊስ ናይ ሓሶት ኢሜይላት ኣብ ምእራይ ተዋፊሩ ምህላዉን ዓማዊል ኣብ ክንዲ ናይ ሓሶት ኢሜላት ዝርእዩ ናብ ናይ ትካልን ኣፕ ክበጽሑ ዝተመርጸ እዩ ክትብል ተላብያ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com