Friday , May 17 2024
Foto: Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

ዝበዝሑ ፊንላንዳውያን ናብ ኔቶ ምጽንባር ይድግፉ እዮም ተባሂሉ።

76% ካብ ህዝቢ ፊንላንድ፡ ሃገሮም ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ NATO ክትከውን ከም ዝድግፉ፡ ን Yle ወኪሉ ዝተገብረ ሓደ ሳየንሳዊ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ካብቶም ኣብዚ ዳህሳስ ሕቶ ዝቐረበሎም ሰባት፡ እቶም 12% ጥራይ ነዚ ተቓዊሞም ኣለዉ።

ብፍላይ ድሕሪ ቃልዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሉ ዩክሬይን፡ ፊንላንድ ናብ NATO ንምጽንባር ሕቶ ከተእቱ ኣለዋ ዝብሉ ዜጋታት፡ ቊጽሮም ብናህሪ ምውሳኹ ተገሊጹ’ሎ። ቅድሚ 24 ለካቲት ዝጀመረ ወራር ሩስያ፡ ናብ ኔቶ ንጸንበር ዝብሉ ፊንላንዳውያን 53% ጥራይ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ። ድሕቲ ክልተ ሳምንታት፡ እዚ ኣሃዝ ናብ 62% ምዕባዩ፡ ሕጂ ድማ ናብ 76% ዓሪጉ ምህላዉን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com