Wednesday , May 15 2024

ግብጺ . . . ብሞት ባሳንት ኻልድ እተጠርጠሩ ክልተ ሰባት: ተታሒዞም

ሓንቲ ግብጻዊት መንእሰይ ብሰንኪ ብዲጂታላዊ ስእሊታት ዝመጻ ምፍርራህ: ነፍሰ ቕትለት ድሕሪ ምፍጻማ: ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

17 ዓመት ዝዕድሜኣ: ባሳንት ኻልድ: ካብ ሓደ መንእሰይ ዝቐረበላ ናይ ፍቕሪ ሕቶ ብምንጻጋ ብዲጂታላዊ ኣገባብ እተሰንዐ ስእሊታት ብቐጻሊ ይስደደላ ምንባሩን በዚ ተበሳጭያ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻማን ሓብታ ን ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጻ’ላ። እዞም ስእሊታት: ብፍላይ ብመሓዙታ ምስ ተራእየ ብከኒና ንነብሳ መሪዛ ህይወታ ምሓላፋ እዘን ማዕከናት ዜና ጸብጺበን ኣለዋ።

ባሳንት ቅድሚ ምሟታ ንኣዲኣ ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ “ኣደይ እዞም ስእሊታት ናተይ ኣይኮኑን፥ ዝተሰንዑ እዮም፥ ብኡነት እየ ዝብለኪ ዘለኹ” ኢላ ምንባራ እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን ኣለዋ።

እቲ ናይ ሓሶት ስእሊታት ኣቐዲሞም ካብ ሞባይላ ብእተወስዱ ስእሊታት ተወሲዶም ከም እተሰንዑ ተፈሊጡ።

በዚ ዝተላዕለ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ቊጥዐ ከም እተላዕለን ገበርቲ እዚ ገበን ናብ ፍትሒ ክቐርቡን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓሳት ይካየድ ምህላዉን ይግለጽ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ትዊተር ድማ እቲ ጐጓስ ብጻዕቂ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብጺ ደቀንስትዮ ጾታዊ ምትንዃይ ይበጽሐን ምህላዉ ዓቢ መዘራረቢ ይኸውን ምህላዉ ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com