Friday , May 17 2024

ግጥም ፍጻሜ ኤውሮጳ ሱፐር ካብ ንመጀምርያ ግዜ ብጓለንስተይቲ ዳኛ ክምራሕ ኢዩ!!

ኣብ መንጎ ሊቨርፑልን ቸልስን ኣብ 14 ነሓሰ ዝካየድ ግጥም ሱፐር-ካፕ ኤውሮጳ፡ ብፈረንሳዊት ዳኛ ስቲፋኒ ፍራፓርት ክምራሕ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ኣፍሊጡ። ዳኛ ስቲፋኒ ኣብ ግጥም ፍጻሜ ዋንጫ ዓለም 2019 ኣብ መንጎ ሃገራውያን ጋንታታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሆላንድ ብብቕዓት ድሕሪ ምምርሓ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርያ ግዜ ን ግጥማት ደቂ ተባዕትዮ ዝዳነት ንሙዃን ኣብ ምድላው ትርኸብ።

ሊቨርፑል ንቶተንሃም 2ብ0 ረቲዓ ተዓዋቲት ሻምፕዮንስሊግ ኤውሮጳ፡ ቸልሲ ድማ ንኣርሰናል 4ብ1 ስዒራ ተዓዋቲት ዩሩፕያን ሊግ ድሕሪ ምዃነን ኢየን ኣብዚ ናይ ብሉጻት ብልጽቲ ግጥም ክራኸባ።

ዳኛ ስቲፋኒ ፍራፓርት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሃገራ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ሊግ-1ን ሊግ-2ን ደቂ ተባዕትዮ ጸወታ ዝመርሐት ጓለንስተይቲ ብምዃን ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ሃገራ ሰፊራ ኢያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com