Sunday , April 28 2024

ስፖርት

ኣብ ናይ ሓሶት ምርጫ ዘሎ ተገዳስነት የንቈልቊል

ኣስታት 420 ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ዝካየድ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ኤውሮጳ ተተሓሒዙ ናይ ተማሃሮ ናይ ሓሶትት ምርጫ ንምክያድ ተፈሪመን። እዚ ኣገባብ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ምምሕያሽ እኳ እንተተገብረሉ ምስቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ 1,449 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተሳተፋሉ ሓፈሻዊ ናይ ሓሶት ምርጫ እንክወዳደር ዝተሓተ እዩ። “ንሕና ዕጉባት ኢና፡ ርግጽ’ዩ ዝያዳ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳተፋ ምደለና” ትብል ዋና ዳይረክተር ናይቲ …

Read More »

ጀርመናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ቤከንባወር ዓሪፉ

ሓደ ካብ ዓበይቲ ከዋኽብቲ ተጻወትቲ ኲዕሶ እግሪ ምዃኑ ዝንገረሉ ጀርመናዊ ፍራንዝ ቤከንባወር ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ቤከንባወር ኣብ 1974 ሓለቓ ጋንታ ምዕራብ ጀርመን ኮይኑ ሃገሩ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ምግባሩ፥ ኣብ 1990 ድማ ከም ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታኡ ኮይኑ ንዓዱ ንዋንጫ ዓለም ኣብቂዑ እዩ። ብቐንዱ ናይ ተኸላኻላይ ቦታ ዝሕዝ ዝነበረ ቤከንባወር 582 ግዜ ንባየር ሙኒክ ብምጽዋት ኣብ ጀርመንን …

Read More »

ሽወደን ሻምፕዮን ዓለም ን9ይ ግዜ ብተኸታታሊ

ጋንታ ፍሎርቦል ደቂ ኣንስትዮ ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ድሕሪ ህልኽ ዝመልኦ ጸወታ ኣብ ልዕሊ ፊንላንድ ተዓዊታ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ሽወደን 6 ብ 0 መሪሓ። ካልኣይ እብረ ዝያዳ መሳጢ ዝነበረ ኮይኑ፥ ኖርወይ 4 ሸቶታት ኣመዝጊባ እያ። እንተኾነ ሽወደን ኣብዚ ዳሕረዋይ ጸወታ እውን መሪሕነት ሒዛ ግጥም 6 ብ 4 ተዛዚሙ’ሎ። በዚ ድማ ሽወደን ብተኸታታሊ ን 9ይ ግዜ ሻምፕዮን ኲዕሶ እግሪ ምዃና ኣረጋጊጻ’ላ ብመሰረት …

Read More »

ሽወደን ክረምታዊ ኦሎምፒክ 2030 ኣይከተአንግድን እያ

ሽወደን ክረምታዊ ኦሎምፒክ 2030 ኣይከተአንግድን እያ ተባሂሉ። ኣህጉራዊ ሽማግለ ኦሎምፒክ ትማሊ ነዚ ውሳነኡ ኣሕሊፉ’ሎ። ኣብ ክንድኡ ፈረንሳ ነዚ ውድድር ከተአንግድ እያ። ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ሽወደን ሃንስ ፎን ኡትማን በቲ ውሳነ ምጒሃዩ ገሊጹ’ሎ። ንሱ “ብዙሕ ምድላዋት ጌርና ከነብቅዕ ከይነአንግድ ምውሳኑ ዘሕዝን እዩ” ክብል ን ሰደቓ ስፖርት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ፊንላንድ፥ ኣብ 2027 ሻምፕዮን ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ኤውሮጳ ከተአንግድ እያ

ፊንላንድ ምስ ሊትዋንያ ብምትሕብባር ብዓለምለኻዊ ፈደረሽን ኩዕሶ ሰኪዔት (FIBA) ኣብ 2027 ዝካየድ ሻምፕዮን ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ኤውሮጳ ከተአንግድ ተመሪጻ ኣላ። እዚ ውሳነ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዔት ፊንላንድ ርኡይ ምዕራፍ ኮይኑ፡ ኣብ ሜድኣ ዝካየድ ታሪኻዊ ተኸታታሊ ሻምፕዮን ኤውሮጳ፡ ኣብ 2024 ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 18፡ ኣብ 2025 ናይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሕጂ ድማ ኣብ 2027 ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን እዩ። ፊንላንድ ምስ …

Read More »

ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን ናብ 2023 ሓሊፋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን ትማል ምሸት ኣብ ስታድዬም ጋምላ ኡለቪ (ዮተበሪ) ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ን ኣየርላንድ 1 ብሓደ 1 ውጽኢት ተፈላልያ። በዚ ድማ ናብቲ ኣብ 2023 ዝካየድ ግጥም ዋንጫ ዓለም ሓሊፋ’ላ። ኣብ መበል 79 ደቒቕ ተጻዋቲት ካሶቫረ ኣስላኒ ነታ ንጋንታኣ ማዕረ ዝገበረታ ሸቶ ብምምጋብ ንሽወደን ልዕሊ ኲለን ኮይና ክትሓልፍ ዝገበረታ ነጥቢ ክትረክብ ኣኽኢላታ እያ።

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፋ።

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ሎሚ ምሸት ኣብ ፖላንድ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖላንድ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም 2 ብ 0 ተሳዒራ ካብ ምጽራይ ውድ ድ ር ዋንጫ ዓለም  ተገሊፋ። ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ መስመር ምክልኻል ብዘጋጠመ ጌጋ ክትስዓር ከምዝበቀዐት ተንተንቲ ኩዑሶ እግሪ ገሊጾም።  

Read More »

ናስሉንድ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።

ሽወደናዊት ሳንድራ ናስሉንድ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዊንተር ኦሊምፒክስ ብውድድር ምንሽርታት በረድ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና። 25 ዝዕድሜኣ ናስሉንድ ኣብዚ ውድድር ካብ 11 ነተን 10 ብምዕዋት እያ ናይ መዛዘሚ ግጥም ሓሊፋ። “ንዂሎም ኣብዚ ጒዕዞ ምሳይ ዝነበሩን ዝሓገዙንን ኣዝየ ከመስግኖም እደሊ። ብሓቂ ዘሐብን እዩ” ክትብል ናስሉንድ ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ግጥም ቦርኪና ፋሶን – ኬፕ ቬርደን

ኣብ ሞንጎ እታ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ን ካሜሮን ከረው ኣቢላታ ዝነበረት ግን ከኣ 3 ነጥቢ ዝኸሰረት ቦርኪና ፋሶን ኣብ ሞንጎ እታ ካብ ኢትዮጵያ 3 ነጥቢ ዝመንዘዐት ኬፕ ቬርደን ዝተኻየደ ግጥም ቦርኪና ዕደኦም ከም ዝመልሱ ገሚተ እየ ነዚ ጸወታ ተኸታቲለዮ፡ ከም ግምተይ ኬፕ ቬርዳውያን ቀለልቲ እኮ እንተዘይነበሩ ፖርኪናውያን ኣብ መበል 39 ደቒቕ ብ መገዲ ቦሪማ ባንደ ዝረኸብዋ ሽቶ ግን …

Read More »

ዋንጫ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝተወልደ ትፈልጡ ዶ ?

source-https://www.cafonline.com/

ቁርሲ ቡን ዋንጫ ኣፍሪቃ ዋንጫ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝተወልደ ትፈልጡ ዶ ? ዋንጫ ኣፍሪቃ በቶም ኣብ መጀመርያ ሓምሳታታ ዝነበሩ ብርጅዋታት ኣብ ማህጸን ማማ ኣፍሪቃ ተቐሚጡ ብ 1957 ኣበ ሃገረ ሱዳን እዩ ተወሊዱ። ኣብዚ ናይ መጀመርያ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 3 ሃገራት እየን ተሳቲፈን እቲ መደብ 4 ሃገራት ክሳተፋ እኮ እንተነበረ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በቲ ሽዑ ዝነበራ ናይ ኣፓርታይድ ፓሊሲ ኣብ ምውት ሰዓት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com