Friday , May 3 2024
source-https://www.cafonline.com/

ዋንጫ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝተወልደ ትፈልጡ ዶ ?

ቁርሲ ቡን ዋንጫ ኣፍሪቃ
ዋንጫ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝተወልደ ትፈልጡ ዶ ?
ዋንጫ ኣፍሪቃ በቶም ኣብ መጀመርያ ሓምሳታታ ዝነበሩ ብርጅዋታት ኣብ ማህጸን ማማ ኣፍሪቃ ተቐሚጡ ብ 1957 ኣበ ሃገረ ሱዳን እዩ ተወሊዱ።
ኣብዚ ናይ መጀመርያ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 3 ሃገራት እየን ተሳቲፈን እቲ መደብ 4 ሃገራት ክሳተፋ እኮ እንተነበረ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በቲ ሽዑ ዝነበራ ናይ ኣፓርታይድ ፓሊሲ ኣብ ምውት ሰዓት ሓሳባ ስለ ዝቐየረ ት 1ሱዳን 2ኢትዮጵያ 3 ግብጺ ጥራይ እየ ተሳቲፈን።
እዘን ኣርባዕተ ጋንታትት ግብጺ ምስ ሱዳን ኢትዮጵያ ኽኣ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ እየን ተመዲበን።
ግብጺ ን ሱዳን ኣብ መሬታ 2-1 ክትስዕራ ከላ ኢትዮጵያ ኽኣ ን ደቡብ ኣፍሪቃ ብ ፎርፋይት ስለ ዝስዓረታ፡ ግብጽን ኢትዮጵያን እየን ን ፍጻመ በጺሐን ግብጺ ን ኢትዮጵያ 4-0 ዲሂኻ ናይ መጀመርያ ዋንጫ ሒዛ ን ዓዳ ከይዳ።
ግብጻዊ መሐመድ ዓጣር ኣዲባ ኽኣ 4 ሽቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ሽቶ ኣመዝጋባይ ተሰምዩ።
ግን ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተወሊዱ ስለምንታይ እዩ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዓብዩ ዝብል ሕቶ ኩሉ ግዜ ኣብ ርእሰይ ትመጽእ ሕቶ እያ ወድሓንኩም ኼር ዘለዎ መዓልቲ።
ወዲ ሳርቶ
13-01-2022

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com