Friday , May 3 2024

ግጥም ቦርኪና ፋሶን – ኬፕ ቬርደን

ኣብ ሞንጎ እታ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ን ካሜሮን ከረው ኣቢላታ ዝነበረት ግን ከኣ 3 ነጥቢ ዝኸሰረት ቦርኪና ፋሶን ኣብ ሞንጎ እታ ካብ ኢትዮጵያ 3 ነጥቢ ዝመንዘዐት ኬፕ ቬርደን ዝተኻየደ ግጥም ቦርኪና ዕደኦም ከም ዝመልሱ ገሚተ እየ ነዚ ጸወታ ተኸታቲለዮ፡ ከም ግምተይ ኬፕ ቬርዳውያን ቀለልቲ እኮ እንተዘይነበሩ ፖርኪናውያን ኣብ መበል 39 ደቒቕ ብ መገዲ ቦሪማ ባንደ ዝረኸብዋ ሽቶ ግን ን ዕረፍቲ 1-0 መሪሖም ወጽዮም።
ካልኣይ እብረ ቦርኪናውያን ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ምክፍፋል ቅዲ ብምሕጻጽ ኩዑሶ ኣብ ማእከል ሜዳ ጥራይ ከም ተዕገርግር ጌሮም ን መሪሒነቶም ስለ ዝዓቀቡ ጸወታ ብዘይተወሳኺ ሽቶ ብ ዓወት ቦርኪናፋሶ 1፡0 ተዛዚሙ።
ካሜሮን ነዚ ምድብ ብ 6 ነጥቢ መሪሓ ምሕላፋ ከትረጋግጽ ከላ ቦርኪናፋሶ ኻኣ ኣብ ክልቲኡ ግጥማት ሽቶ ስለ ዘመዝገበት ብ ኻልኣይ ደረጃ ተስሪዓ ምስ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዕድላ ተማዕዱ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com