Friday , May 3 2024
In the project, 217 students received 200 minutes of sports a week. A control group of 132 students had 60 minutes a week. Foto: Anders Wiklund / TT / kod 10040

ፊንላንድ፥ ኣብ 2027 ሻምፕዮን ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ኤውሮጳ ከተአንግድ እያ

ፊንላንድ ምስ ሊትዋንያ ብምትሕብባር ብዓለምለኻዊ ፈደረሽን ኩዕሶ ሰኪዔት (FIBA) ኣብ 2027 ዝካየድ ሻምፕዮን ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ኤውሮጳ ከተአንግድ ተመሪጻ ኣላ። እዚ ውሳነ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዔት ፊንላንድ ርኡይ ምዕራፍ ኮይኑ፡ ኣብ ሜድኣ ዝካየድ ታሪኻዊ ተኸታታሊ ሻምፕዮን ኤውሮጳ፡ ኣብ 2024 ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 18፡ ኣብ 2025 ናይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሕጂ ድማ ኣብ 2027 ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን እዩ። ፊንላንድ ምስ ሊትዋንያ ኮይና ንሻምፕዮን ኤውሮጳ ደቂ ኣንስትዮ 2027 ንምእንጋድ ክትዕወት ከላ፡ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ጸወታ
ኩዕሶ ሰኪዔት እናዓበየ ይኸይድ ከም ህያው ምስክር’ዩ። ናይ መጀመርታ ዙርያታት እዚ ውድድር ኣብ መንጎ ክልቲአን ዝምቀል ምዃኑ፡ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ድማ ኣብ ሊትዋንያ ክካየድ ምዃኑን ተፈሊጡ። ሜትሮ ኣሬና እናተባህለት እትፍለጥ መናሃርያ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ተባዕትዮ ፊንላንድ ዝኾነት ሱሲጀንጊ እቲ ውድድር ዝካየደላ ቦታ ክትከውን እያ። ኣብ ማሕበር ኩዕሶ ሰኪዔት ፊንላንድ ዳይረክተር ኣሰልጠንቲ ሄንሪክ ደትማን፡ ስፖርተኛታት ኣብ ቅድሚ ናይ ገዛእ ርእሶም ተዓዘብቲ ኣብ ዓቢ ውድድር ክሳተፉ ዕድል ብምርካቦም ሓጎሱ ገሊጹ። እዚ ውድድር ንኹዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ፊንላንድ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘስመረሉ ደትማን፡ ንመንእሰያትን ኣሰልጠንቶምን ዝጭበጥ ዕላማን ድርኺትን ከም ዝህብ ገሊጹ። ደቀንስትዮ ፊንላንድ ኣብ ከምዚ ላዕለዋይ ደረጃ ዓለምለኻዊ ውድድር ኲዕሶ ሰኪዔት ክወዳደራ ምርኣይ ፍሉይን ኣነቓቓሕን እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ። እዚ መደብ ኣብታ ኩዕሶ ሰኪዔት ዝጸንሐ ያታን ዘለዋ ኤስፑ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር። ዳይረክተር ስፖርት ኤስፖ ማርቲ ሜራ፡ ሃብታም ልምዲ ኩዕሶ ሰኪዔት እታ ከተማን ንውድድር ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኤስፖ ምምጻእ ዘለዎ ዓብዪ ትርጉምን ኣጉሊሓ። ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ፊንላንድ ብቐጻሊ እናወሰኸ ከምዝመጸን፡ እዚ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ሱሲላዲስን ኣብ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ዝረኸብኦ ዓወት ዓብዪ መርትዖ እዩ። ሱሲላዲስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሻምፕዮን ኤውሮጳ 2025 ክትሳተፍ ሸቶኣ ጌራ ትንቀሳቐስ ኣላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com