Saturday , May 4 2024

ጀርመናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ቤከንባወር ዓሪፉ

ኢዋር

ሓደ ካብ ዓበይቲ ከዋኽብቲ ተጻወትቲ ኲዕሶ እግሪ ምዃኑ ዝንገረሉ ጀርመናዊ ፍራንዝ ቤከንባወር ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ቤከንባወር ኣብ 1974 ሓለቓ ጋንታ ምዕራብ ጀርመን ኮይኑ ሃገሩ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ምግባሩ፥ ኣብ 1990 ድማ ከም ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታኡ ኮይኑ ንዓዱ ንዋንጫ ዓለም ኣብቂዑ እዩ። ብቐንዱ ናይ ተኸላኻላይ ቦታ ዝሕዝ ዝነበረ ቤከንባወር 582 ግዜ ንባየር ሙኒክ ብምጽዋት ኣብ ጀርመንን ዓለምን ዓብዪ ዝናን ተፈታውነትን ረኺቡ እዩ። ደር ካይዘር& ብዝብል ሳጓ ጽዋዕ ዝነበረ ቤከንባወር፡ ኣብ 1972 ሻምፕዮን ኤውሮጳ፡ ክልተ ግዜ ኸኣ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ተዓዊቱ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com