Wednesday , May 1 2024

ኣብ ናይ ሓሶት ምርጫ ዘሎ ተገዳስነት የንቈልቊል

Credit: Erik Mårtensson / TT

ኣስታት 420 ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ዝካየድ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ኤውሮጳ ተተሓሒዙ ናይ ተማሃሮ ናይ ሓሶትት ምርጫ ንምክያድ ተፈሪመን። እዚ ኣገባብ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ምምሕያሽ እኳ እንተተገብረሉ ምስቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ 1,449 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተሳተፋሉ ሓፈሻዊ ናይ ሓሶት ምርጫ እንክወዳደር ዝተሓተ እዩ። “ንሕና ዕጉባት ኢና፡ ርግጽ’ዩ ዝያዳ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳተፋ ምደለና” ትብል ዋና ዳይረክተር ናይቲ ነቲ ናይ ሓሶት ምርጫ ዘካይድ ትካል መንእሰያትን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ሽወደን ሌና ኒበሪ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com