Wednesday , May 15 2024
Haiti's President Jovenel Moise speaks during an interview at his home in Port-au-Prince, Haiti. (AP Photo/Dieu Nalio Chery, File) XLAT121

ፕረዚደንት ሃገረ ሃይቲ፡ ተቐቲሉ

ናብ ሎሚ ረቡዕ ዘውግሕ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 1፡00 በቆጻጽራ እቲ ከባቢ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ሃይቲ፡ ጆቬነል ሞይሰ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ እታ ሃገር፡ ፖርት ኦ ፕሪንስ፡ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ፡ ብዘይተፈልጠ ሰብ ብጥይት ተሃሪሙ ከምዝተቐትለ ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ክላውድ ጆሴፍ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና AFP ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

በዓልቲ ቤት እቲ ፕረዚደንት፡ ማርቲነ ሞይሰ፡ ውን ብጥይት ተሃሪማ ብዝወረዳ መጉዳእቲ፡ ኣብ ሆስፒታል እታ ከተማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይግበረላ ከምዘሎ ኣብ ሃይቲ ዝመደበሩ ጁኖ 7 ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ንነብሱ ከም መራሒ እታ ሃገር ቆጺሩ ዘሎ፡ ጆሴፍ፡ ህዝቢ ክረጋጋእ ከምዘለዎን እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስን ወተሃደራትን ከምዘሎ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጆቬነል፡ ንሃገረ ሃይቲ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብኣዋጅ ክመርሓ ከምዝጸንሐን ህዝቢ ድማ ካብ መዝነቱ ንኽእለ ክጠልብን እታ ሃገር ብቀተልቲ ዝኾኑ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናዕብን ክትናወጽ ምጽናሓን ይፍለጥ። ኣብ ሃገረ ሃይቲ፡ ናይ መወዳእታ ምርጫ ዝተገብረሉ ግዜ፡ ዓመተ 2015 ምንባሩን፡ ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ጆቬነል፡ ብዓሎቕ ከምዝተዓወተን ክሲ ቀሪብዎ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ሃገረ ሃይቲ፡ ኣብ መንጎ ኣንጻር ዝኾኑ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝካየድ ብረታዊ ቅልስ ንምውጋድ፡ መንግስቲ ጆቬነል፡ ዝግባእ ስጉምታት ብዘይ ምውሳዱ፡ ሓደ ካብቲ ዝንቀፈሉ ዝነበረ ጉዳያት እዩ ኔሩ።

ፕረዚደንት ጆቬነል ወዲ 53 ዓመት እዩ ነይሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com