Saturday , June 3 2023

ኣህጉራዊ ዜና

ኣብ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ን ሽወደን ትውክል ስራሕ ክትመርጽ እያ።

ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት፡ ሸውዓተ ደርፊታት ናብ መድረኽ ‘ሜሎዲፈስቲቫለን” ቀሪበን። እዘን ደርፍታት ን ፍርቂ ፍጻመ ወይ ፍጻመ ክሓልፋ እየን ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ኣብ መድረኽ “ሜሎዲፈስቲቫለን” እትዕወት ደርፊ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝካየድ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ንሽወደን ክትውክል እያ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ኡልፍ ክሪስተርሰን ን ምቅጻል ቊርኣን ምኽንያት ብምግባር ምስ ወኪላት እላማውያን ውድባት ተዘራሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ምስ ወኪላት እላማውያን ውድባት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተዘራሪቡ። ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻሉ ስዒቡ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስላም ቊጥዐ ምልዕዓሉ ዝፍለጥ እዩ። ክሪተርሰን ምስዚ ድሕረ ባይታ ብምትሕሓዝ ነዚ ምርኻብ ምፍጻሙ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሓደ ካብዞም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ ኢማም ሳላሓዲን ባራካት፡ ኣብ ፊንላንድ ምሉእ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ እኳ እንተሃለወ እዚ …

Read More »

ተመሃሮ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ንምግባር ይጸዓር ምህላዉ ተገሊጹ።

ጥቓ ኣብያተ ትምህርቶም ጎነጽ እንክኽሰት፡ ተመሃሮ ዘጋጥሞም ምምዝባል ስምዒታት ንምእላይ ይስራሕ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ ሽግር ንምቕራፍ፡ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኣገባብ ከተኣታትዋ እየን። ኣብ “ሶልና” እትርከብ ቤት ትምህርቲ “ፓርክሶላን” ክኢላ ስነኣእምሮ ብምቚጻር፡ ጥዕና ኣእምሮ ተማህሮ ንምምሕያሽ ትሰርሕ ኣላ።  ዕላማ ናይዚ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ንምግባር ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ብዛዕባ ዘጋጠመ ሕማቕ ነገራት እትዛረቦ ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ …

Read More »

27 ሰናተራት ኣመሪካ ንቱርክ ኣጠንቂቖም።

27 ኣባላት ዘጠቓለለ ጒጅለ “ሰናተራት” ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ቱርክ ጸቕጢ ይገብሩ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዞም “ሰናተራት”፡ ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ከይኮና ቱርክ እተካይዶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ዕንቅፋት ደው ከትብል ሓቲቶም ኣለዉ። ንሳቶም ናብ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝለኣኽዎ ክፉት ደብዳበ፡ ዔርዶጋን ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ክኾና ዘይተሕባበር እንተኾይኑ፡ ኣመሪካ ን ቱርክ ነፈርቲ ኲናት “F-16” ከይትሸጠላ ክዓግቱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ነዚ …

Read More »

ገለ ገበናት ብርሕቀት ንምምርማር ዘኽእል ስራሕ ይዕመም ኣሎ።

ፖሊስ፡ ብቚዕ ስታፍ ኣብ ምቚጻር ከምኡ’ውን ከምዚኦም ዝበሉ ኣባላት ኣብ ምዕቃብ ተሸጊሮም ምህላዎም ተገሊጹ። ብምኽንያት እዚ ሕጽረት፡ ዝምልከቶ በዓልመዚ ካብ ስቶክሆልም ርሕቕ ኢሎም ዝሰርሑሉ ኣገባብ ከዳሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ውሽጣዊን ዞባዊን ኣገልግሎት ብስሉጥ መታን ክካይድ ብዝብል ምኽንያት፡ ፖሊስ ገለ ስርሒታት ድሮ ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ ክግዕዝ ምግባሮም ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ ገለ ገበናት ብርሕቀት ንምምርማር ዘኽእል ስራሕ ይዕመም ምህላዉ ወሲኻ ኣመልኪታ። ካብ ጽድያ …

Read More »

ኣብ ጎነጻዊ ገበን እተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሽወደን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ስቶክሆልም፡ ቫስተራስን ማልምን ኣብ ጎነጻዊ ገበን እተሳተፉ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ሎሚ መዓልቲ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ናብ መጋባእያ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ንሱ ዓሚ ኣብ ቶክሆልም ኣብ ቤት መህነጺ ኣካላት ብምእታው ሓደ ሰብ ብጥይት  ምቕታሉ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ንሱ ነዚ ገበን ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ን ግብረሽበራ ዝምልከት ሕጊ ከትርር እዩ ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ን ግብረሽበራ ዝምልከት ሕጊ ዘትርር እማመ ክውጽእ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ን ናውቲ ግብረሽበራዊ ውድብ ምዕቃብ፡ ን ግብረሽበራዊ ውድብ መአከቢ ቦታን ንጥፈትን ምድላውን መግቢ ምኽሻንን ዝመስሉ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ክግበሩ ይኽእሉ እዮም ይበሃል ኣሎ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ሽወደን ግብረሽበራ ንምቅላስ ዝሓሸ ዓቕሚ ዝህባ እዩ፡ ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ጉብናር ስትሮመር ገሊጹ’ሎ። ባይቶ ሽወደን ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝመጽእ …

Read More »

ሙሓረም ደሚሮክ መራሒ ሰልፊ ማእከላይ ክኸውን ተመሪጹ።

ሙሓረም ደሚሮክ መራሒ “ሰልፊ ማእከላይ” ክኸውን ተመሪጹ። ኣኒ ሉፍ ነቲ ሰልፊ ካብ 2011 ኣትሒዛ ክትመርሖ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብፍቓዳ መዝነታ ምግዳፋ ዝዝከር እዩ። ደሚሮክ ኣብ ወርሓ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ናብ ባይቶ ሸወደን ተመሪጹ። ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኸኣ ኣፈኛ ፖሊሲ ትምህርቲ እቲ ሰልፊ እዩ ኔሩ። ቅድሚኡ ኸኣ ኣብ ዮንሾፒን “ካውንሲለር ምምሕዳር ከተማ” ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። “ካብ ኣኒ …

Read More »

ኣገባብ ምቚጻር ስራሕን ምዕቃብ ሰራሕተኛታት ንምምሕያሽ ይስራሕ ኣሎ።

ኣብ ሆስፒታላት ዝህሉ ኣገባብ ምቚጻር ከምኡውን ቀጻልነት ሰራሕተኛታት ንምምሕያሽ ይስራሕ ምህላው ተገሊጹ። ነዚ ዘሰላስል ዘሎ “ማግኔት ሞዴል” ዝተሰምየ ሓደ ኣውሮጳዊ ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀክት እዩ። ሆስፒታላት ብኸመይ እዮም ሰራሕተኛታቶም ዓቂቦም ክኸዱ ዝኽእሉ ኣብ ዝብል ብምትኳር ይሰርሕ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ። ነርስታት ብኸመይ ኣብ ተራ መሪሕነት ይመጻ፡ ዝያዳ ስልጠና ስታፍ ብኸመይ ይወሃብ፡ ዝብሉ ዛዕባታት ዕላማ እዚ መናዕታዊ ፕሮጀክት እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ስካነ፡ …

Read More »

ኣብ መርከብ “ክሮናን” እትረኽበ ኣዕጽምቲ መርመራ ዲኤንኤ ክግበረሉ እዩ።

ኣብ ኣብ 1676 ኣብ እዋን ኲናት ኡላንድ ዝጠሓለት መርከብ “ክሮናን” ዝርከብ ኣዕጽምቲ መወትቲ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ክገበረሉ እዩ።  ተሳፈርቲ’ዛ መርከብ ኲናት ካበይ ምዃኖም ወይ ምስ ህሉዋት ዘለዎም ዝምድና ክረጋገጽ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ። እዚ ብዙሕ ግዜን መጽናዕቲን ዝሓትት እኳ እንተኾነ ክግበር እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ላርስ ኤናረን ካብ ቤተመዘክር ካልማር ካውንቲ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እዛ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com