Monday , May 13 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ክሮኤሽያ ኣብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን 2024 ተፈታውነታ ኣዝዩ ይውስኽ

ኣብ ሽወደን ከተማ ማልሞ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ሎሚ ዓመት፥ ክሮኤሻዊ ቤቢ ላዛኛን እስራኤልዊት ኤደን ጎላንን ብተዓዘብቲ ዝበዝሐ ተፈታውነት ምርካቦም ይንገር ኣሎ። ብፍላይ እቲ ክሮኤሽያዊ ደራፋይ ንሰሙን መመላእታ ኲባንያታት ዝወራረዱሉ ፍቱው ተወዳዳሪ ክኸውን እንከሎ፡ እስራኤላዊት ጎላን ግና ብኣንጻሩ ተፈታውነታ ምንካይ ኣርእዩ እዩ። ሽወደን ኣብዚ ውድድር ብኖርወጃውያን ማናቱ ማርከስን ማርቲነስን ዝተወከለት ኮይና፡ ክልቲኦም ኣብ ማልሞ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ምስ ካልኦት …

Read More »

ደገፍ ሶሻል ዲሞክራትስ ናብ ዳርጋ ናይ 20 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ ይዓቢ

ሰልፍታት ማሕበራዊ ዲሞክራስን ሰልፊ ፊንላንዳውያንን እተን ክልተ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ምዃነን ተሓቢሩ። ደገፍ ማህበራዊ ዲሞክራሲ ካብቲ ዝሓለፈ ምርጫ ብ 2.7% ናብ 24.4% ክዓቢ እንከሎ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ባይቶ ፊንላንድ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ዘመልክት እዩ። ብኣንጻሩ ሰልፊ ፊንላንድ፡ ደረጃ ምጽዳቕ ብ1.8 ነጥቢ ናብ 15.6 ሚእታዊት ክወርድ ከሎ፡ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ወርሒ …

Read More »

ኖርወይ፥ ዕዳጋ ኣባይቲ ይበራበር

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝያዳ ሸየጥትን ዓደግትን ናብቲ ምድኻም ዘርኣየ ዕዳጋ ኣባይቲ ኖርወይ ኣትዮም፡፡ ደላሎ ኣባይቲ ድማ ድሕሪ ኣዝዩ ዝሑል ዊንተር ዕዳጋ ዳግማይ ብምርባሩ፥ ኣብ መንጎ ቀረብን ጠለብን ከኣ ዝሓሸ ሚዛን ከምዘሎ’ዮም ይዛረቡ። ኣካያዲት ዳይረክተር ናይቲ ፕራይቫትመግለረን ዝበሃል ናይ ኣባይቲ ደላሎ ግሬት ማየር ንጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንግስሊቭ (ዲኤን) ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ብዙሓት ኣባይቲ ንመሸጣ ተዳልዮም ኣለዉ” ኢላ። መላእ ሃገር ካብቲ “ኣሰልቻዊ” ቀዳማይ …

Read More »

ኖርወይ፥ ኣብ ቅነ ዩሮቪዥን ንሽወደን ብጸጥታዊ መዳይ ትሕግዛ

ፖሊስ ኖርወይ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ንፖሊስ ሽወደን ብጸጥታ ንምሕጋዝ ናብ ደቡብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ማልሞ ከም እተላእኩ ተፈሊጡ። ብሰንኪ ስግእትታት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ፥ ፖሊስ ዴንማርክ እውን ይሳተፍ ኣሎ። ሽወደን ዓሚ ኣብዚ ውድድር ካብ እትዕወት ንደሓር፥ ሎሚ ዓመት ነዚ ዓቢ ውድድር ዘአንግድ ዘሎ ሽወደናዊ ፈነወ SVT፡ ንዩሮቪዥን ኣስታት 100 ሽሕ በጻሕቲ ናብ ማልሞ ኣትዮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም …

Read More »

ወተሃደር ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ተኣሲሩ

ኣብ ደቡብ ኮርያ ተመዲቡ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ወተሃደር ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ተኣሲሩ ክብል ሰራዊት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ስታፍ ሳጅን ጎርደን ብላክ ካብ ሓንቲ ጓል ጓለንስተይቲ ሰሪቑ ተባሂሉ ከምዝተኸሰሰ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ጸብጺቡ። እዚ ወተሃደር ብ 2 ግንቦት ዘይወግዓዊ ጒዕዞ እናገበረ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቭላዲቮስቶክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ እዩ ዝግለጽ። ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ጆን …

Read More »

መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ነቲ ብእስራኤል ኣብ ጋዛ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ይቃወሙ

ዝበዝሑ ፊንላንዳውያን ነቲ ብእስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይቅበልዎ ብዋይ.ኤል.ኢ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቓዛ ዝወሰደቶ ስጉምቲ 60% ካብ ህዝቢ ኖርወይ ዘይቅበሎ ክኸውን ከሎ፡ 21% ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ድማ ደገፎም ሂቦም ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ ንጹር ኣረዳድኣ ዘይብሎም ወይ ርእይቶኦም ክህቡ ድሌት ዘይብሎም እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱርኮ ተመራማሪ ሚድያ ኣኑ ኮይቩነን ትማሊ ሰኑይ ንዋይ.ኤል.ኢ …

Read More »

ምስ ግዳያት ገበን ህጻናት ዝተኣሳሰር ተወሳኺ ኮርሳት ዝወስዱ ደያኑ ዝወሓዱ እዮም ተባሂሉ

ካብቶም ገበናዊ ጉዳያት ዝከታተሉ ኣስታት 1000 ዳያኑ ሽወደን፥ ሽዱሽተ ሚእታዊት ጥራይ ብዛዕባ ጾታዊ ገበናት፡ ዘቤታዊ ጎነጽን ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ዝብል ጒዳይ ፍልጠቶም ንምዕባይ ተወሳኺ ስልጠናታት ወሲዶም ክብል ሬድዮ ፒ 4 ሃላንድ ገምጋሙ ኣቕሪቡ። ብተመሳሳሊ ውሑዳት ካብኣቶም ን ህጻናት ከም ግዳያት ገበንን ካልእ ተዛማዲ ኮርሳት ዝወሰዱ እዮም። ኣብቲ “ጒዳይ ስኒፓ ጉዳይ” ዝበሃል ቤት ፍርዲ ይግባይ ቤት ፍርዲ ድሒ ዝወሰዶ ናይ …

Read More »

ዩሮቪዥን ባንዴራ ፍልስጤም ኣጊዱ፡ ባንዴራ እስራኤል ድማ ምፍቃዱ ዓብዪ ውግዘት ይወርዶ

ኣብ ማልሞ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን፡ ኣዳለውቲ ኣብቲ መደብ ኣብ ልዕሊ ባንዴራታት ፍልስጤምን ደገፍቲ ፍልስጤም ዝኾኑ ምልክታትን እገዳ ክግበር ምዃኑ ምግላጾም ብርቱዕ ክትዕ ኣለዓዒሉ። እዚ ብፈነወ ሕብረት ኤውሮጳ (EBU) ንህዝቢ ዝወጸ ውሳነ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ርሱን ነቐፌታ ይዘንቦ’ሎ። ነቲ ውድድር ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ EBU፡ ነቲ ፍጻመ ፖለቲካዊ ድባብ ክህቦ ይኽእል እዩ ብዝብል ስክፍታታት፡ ተሳተፍቲ ዝሕዝዎ ዝኾነ …

Read More »

ወጻእተኛታት ኡፕሳላ ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ደገፍ ይረኽቡ

ሬድዮ ሽወደን ምስቶም ኣብ ማእከላይ ኡፕሳላ ዝርከቡን ወርሓዊ ሓንሳብ ናይ ቊርሲ መደብ እናዳለዉ ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምጒዓዝ ተመኲሮኦም ዘካፍሉ ሰባት ዝዕድሙ ወጻእተኛታት ተቐማጦ ዘትያ። እዚ ምርኻብ ብ Uppsala International Hub ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ሰባት ብቐሊሉ ኣዕሩኽ ኸጥርዩን ንኽወሃሃዱን ዕላማ ጌሩ ዝሰርሕ እዩ። “ከምዚ ዓይነት ማሕበረሰብ ምህላው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዘሕለፍዎ ገድሊ ዘካፉሉሉ ስለዝኾነ ” ትብል ቅድሚ …

Read More »

ሩስያ ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ንኸይካየድ ዝጽውዕ እማመ ውዱቕ ትገብሮ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፥ ኩለን ሃገራት ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ኸይካየዳ ንዝጽውዕ እማመ፥ ሩስያ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ ስልጣና ብምጥቃም ውዱቕ ጌራቶ። እቲ ብኣሜሪካን ጃፓንን ዝቐረበ ንድፊ ውሳኔ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ውዕል ጠፈር 1967 ዝተነብረ መትከል ዳግማይ ከረጋግጽ ዝዓለመ እዩ። ሩስያ ኣብ ጠፈር ዝተመርኮሰ ጸረ ሳተላይት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተማዕብል ምህላዋ ኣመሪካ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ’ላ። ሩስያ ነቲ ዝጸንሐ ውዕል ብጽኑዕ ከም እትስዕቦ” …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com