Tuesday , May 21 2024

ዜና

ብ “3D ፕሪንተራት” ዝፈርዩ ብረታት ብቚጽሪ ይውስኹ።

ክኢላታት ሽወደንን ኣውሮጳን ብ “3D ፕሪንተራት” ዝፈርዩ ዘለዉ ብረታት ኣመልኪቶም መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም። እዞም ብ 3D ፕሪንተራት ዝፈርዩ ዘለዉ ብረታት ተኸታቲልካ ዋንነቶም ከተረጋግጾ ዘሸግሩ ብምዃኖም ብሓደ ወገን፡ ኣፍረይቶም ከኣ ምስ ዝኾነ ገበናዊ ጒጅለ ምትሕሓዝ ዘለዎም ብዘይምዃኖም በቲ ኻልእ ወገን፡ ዓብዪ ብድሆ ምዃኑ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ምስልታት ብረታት ብኦንላይን ብቐሊሉ ዝርከቡ ምዃኖም እቲ ናይ ምሕታም ቴክኖሎጂ ኸኣ ኣዝዩ ምርቓቑ ነዚ ሽግር ኣጋዲድዎ’ሎ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ ረድዮ-28-02-2023

Read More »

ውድባት ግብረሽበራ ን ሽወደን የፈራርሁ።

ከምኒ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን ዝኣመሰሉ ኣህጒራውያን ግብረሽበራውያን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ብፍላይ ኣትሒዞም ንሽወደን ቀዳምነት ዕላማኦም ይገብርዋ ምህላዎም ሓበሬታ ከም ዝረኸበ፡ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን–SÄPO–ገሊጹ። በዞም ውድባት ግብረሽበራ ዝቐርብ ዘሎ ምኽንያት መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ኣፍደገ ኤምባኢ ቱርክ ዝተኻየደ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን እዩ። ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ነዚ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ምክያዱ ዝዝከር እዩ። "ንሽወደንን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ረብሓታት ሽወደንን …

Read More »

ተጓዓዝቲ ነርስታት ተወሳኺ ወጻኢታት ይሓታ’ለዋ።

ዞባታት ሽወደን ኣብ ዓመተ 2022 ን ተጓዓዝቲ ነርስታት 3.4 ቢልዮን ክሮና ምኽፋለን ተፈሊጡ። እዚ ምስ ዓመተ 2021 ዝነበረ እንክወዳደር ብ ሓደ ቢልዮን ክሮና ምውሳኹ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ዞባ ሶርምላንድ ነዚ ብምዋዋም ክሳብ ሕጂ 80 ነርስታት ቆጺራ’ላ። ኣብ እዋን ምሳሕ ወይ ካልእ ዘይምቹእ ሰዓታት ንዝሰርሑ ነርስታት ተወሳኺ ረብሓታት ከም ዝረኽቡ ብምግባር መተባብዒ ይወሃብ ምህላዉ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ …

Read More »

ዳኛ ትርጒም “ስኒፓ” ብርግጸኝነት ብዘይምፍላጡ ገበነኛ ብይግባይ ሓሊፉ።

ጓል 10 ዓመት ህጻን ንዝተጋሰሰ ኣብ 50ታት ዝርከብ ገበነኛ ኣመልኪቱ ብቤት ፍርዲ ከባቢ ዝተዋህበ ናይ ሰለስተ ዓመት ፍርዲ ብሕቶ ይግባይ “ቤት ፍርዲ ምዕራብ ሽወደን” ክቕልበስ ተጌሩ። እቲ ውሳነ ዳኛ ኣብታ “ስኒፓ” እትብል ቃል ዝነበሮ ዘይርግጸኝነት ምኽንያት ዝገበረ እዩ። እዛ ቃል ቆልዑ ሽወደን ን ጾታዊ ብልዕቲ ጓለንስተይቲ ንምምልካት ዘዘውትርዋ ዘይወግዓዊት ስም ምዃና ይፍለጥ። እቲ ገበን ኣብ ህዝቢ ዓብዪ ቊጥዐ ምፍጣሩን ኣብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዝረአ ጎነጽ ናብ ካልእ ክፋል ኣውሮጳ ከየስፋሕፍሕ ሻቕሎት የልዕል።

ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ብ ብረት ዝኽሰት ጎነጻዊ ሞት የንቈልቊለሉ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ብኣንጻሩ ብብረት ዝኽሰት ጎነጽ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብብረት ዝተቐትሉ ሰባት ብጠቕላላ 63 ምዃኖም፡ ፈጸምቲ እዚ ጎነጽ ከኣ መንእሰያት ምንባሮምን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። "ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽወደን ኣብ ኣውሮጳ ብዙሕ ጎነጽ ዝረኣየላ ዓዲ ኮይና’ላ። ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ተመሳሳሊ ኣንፈት …

Read More »

61 ሰርቨራት “ኣኖኒመዝ ሱዳን” ትማል ለይቲ ተዓጽየን።

ንብረት “ኣኖኒመዝ ሱዳን” ናይ ዝተባህለ ጒጅለ በርበርቲ ሓበሬታ “ሃከርስ” ዝኾና 61 ሰርቨራት ትማል ለይቲ ተዓጽየን። ነዘን ንብረት ዝዓጸወ ብሕታዊ ትካል “ድሕነት ሳይበር” ምዃኑ ተሌቪዥን ሽወደን ጸብጺባ’ላ። እዞም ሰርቨራት ኣብ ጀርመን ኣብ ኣህጒራዊ ኲባንያ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ IBM ኣብ ዝርከብ ናይ “ክላውድ ኣገልግሎት” እዮም ኔሮም። “እዚ ኲነታት ዘይልሙድ እዩ፥ ነዚ ዕላማ ክብላ ናይ ክላውድ ኣገልግሎት ዘካርያ ሃገራት ወይ ውድባት ገበን ጥራይ ብምዃነን፡ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 27-02-2023

Read More »

ዩክሬናውያን ኣብ ሽወደን ዘሕለፍዎ ህይወት ይግምግሙ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝኽሰት ዓመቱ መሊኡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዘሕለፍዎ ህይወት ገምጋም ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ። ድሕሪ መጠነ ሰፊሕ ወራር ሩስያ፡ ሚልዮናት ዜጋታት እታ ሃገር ምስዳዶም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 50 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ሽወደን ከም ዝቕመጡ ጸብጻባት የመልክቱ። ሓንቲ ካብዞም ስደተኛታት ኣላ ቢድኑክ፡ “ጓላ ቊልዕነታ ከይሰኣነት ከም ማንም ካልእ ቆልዓ ክትዓብየላ …

Read More »

ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ክኾና ከም ዝደሊ መራሒ ሃንጋሪ ገሊጹ።

ፊንላንድን ሽወደንን ኣባላት ኔቶ ንክኾና ዘእተዎኦ ሕቶ ከጽድቕ ከም ዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንዳሪ ቪክተር ኦርባን ንሰልፉ — “ፊደዝ”–ምሕታቱ ገሊጹ። እንተኾነ ግና እዚ ሕቶ ድሚ ምጽዳቑ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ክትዕ ክካየደሉ እዩ። ባይቶ ሃንጋሪ ኣብዚ ጒዳይ ዝመጽእ ሰሙን ክዝቲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com