Monday , May 20 2024

ዜና

“ቆንስል ክሊማዊ ፖሊሲ ሽወደን” ንመንግስቲ ነቒፉ።

ሽወደን ክሊማዊ ሸቶኣ ንምህራም እትገብሮ ዘላ ግስጋሰ ኣብ 2022 ምዝሕሓል ከም ዘርኣየ፥ “ቆንስል ክሊማዊ ፖሊሲ ሽወደን” ትማል ንግሆ ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። እቲ ቆንስል፥ ን ፖሊሲ ኣከባቢ ዝሓለፈ ይዂን ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ብርቱዕ ነቐፌታ ከውርድ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። “ኣብዚ ጒዳይ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ፖሊሲ መንግስቲ እዩ። ህሉው ፖሊሲ መንግስቲ፡ ፈነወ ካርቦን ኣብ ቀረባ መጻኢ ንክውስኽ ዝገብር ብምዃኑ ሓደገኛ …

Read More »

ፖሊስ “ፍሉያት ስርሒታት” ዘሳልጡሉ ዘለዉ ኣገባብ ብትሪ ተነቒፉ።

ፖሊስ “ፍሉያት ስርሒታት” ዘሳልጡሉ ዘለዉ ኣገባብ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ዝያዳ ጒድኣት የስዕብ ኣሎ ክብል ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ፍሉይ ስርሒት ዝካየደሉ ግዜ ይናዋሕ ብምህላዉ ካብ ጠቕሙ ጒድኣቱ ይበዝሕ ኣሎ” ክትብል ክትብል ሊንዳ ዮንሰን ካብ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ኣተሓሳሲባ። ንሳ "ድሕሪ ከቢድ ገበን ፖሊስ ነዚ ስራሕ ን ሒደት ሰዓታት ወይ መዓልታት ጥራይ እንተዘካይድዎ ምኣኸለ፡ …

Read More »

ን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወጸ ካሕሳ ኤለትሪክ ብጌጋ ንቢዝነሳት ጥራይ ይውዕል ከይህሉ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ውዕል ኤለትሪክ ብውልቀ ነጋዳይ ኣብ ዝተታሕዘሉ ኲነታት፥ ን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወጸ “ካሕሳ ኤለትሪክ” ብጌጋ ንቢዝነሳት ጥራይ ይውዕል ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ “ኤጀንሲ ክኢላታት ሸወደን” ን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወጸ ካሕሳ ኤለትሪክ ብጌጋ ንቢዝነሳት ጥራይ ክውዕል ተኽእሎ ምህላዉ ን መንግስቲ ኣተሓሳሲቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ኣብ ምጅማር እዚ ወርሒ ዝበዝሐ ክፍሊት ካሕሳ ኤለትሪክ 770 ሽሕ ክሮና ምዃኑ፡ እተን 10 ዝዓበያ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 29-03-2023

Read More »

መንግስቲ ንዩክሬናያን ዝወሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ሸወደን ክምውል እዩ።

መንግስቲ፥ ን ዩክሬናውያን ዝወሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንምምዋል፡ ንምምሕዳራት ከተማ 100 ሚልዮን ክሮና ክቕርበለን ምዃኑ ሚኒስተር ሽቕለትን ምህሃድን ዮሃን ፐርሾን፥ ከምኡውን ሚኒስተር ትምህርቲ ማትስ ፐርሾን ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጦም። "ን ስደተኛታት ዩክሬይን ሽወደንኛ ዝወሃበሉ ኣገባብ ከነመሓይሽን ኣብ ሸወደን ክሰርሑን ዕድል ምሃብ ኣገዳሲ እዩ’ ክብል ሚኒስተር ሽቕለትን ምህሃድን ዮሃን ፐርሾን (ካብ ሰልፊ ሊበራል) ገሊጹ’ሎ። እዚ 100 ሚልዮን ክሮና …

Read More »

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ-ተባዕትዮ ሽወደን ይቕረታ ሓቲቱ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ምሸት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ምሕላፍ “ሻምፕዮን ኣውሮጳ” ሽወደን ን ኣዘርባይዣን 5 ብ 0 ረቲዓታ። እንተኾነ ግና ጋዜጣታት፥ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ደቂተባዕትዮ ሸወደን ያን ኣንደርሾን፥ ምስ ኮሜንታተር ስፖርት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ኣዝዩ ምሕራቑ ኣመልኪተን ብዙሕ ብምጽብጻበን፡ ነቲ ዓወት ዘየድሊ ጽላሎት ከም ዘዕለበሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣብቲ ብቐጥታ ብተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት ኣየኖት ተጻወትቲ እዮም ተመሪጾም ኢሉ ዝጀመረ ክትዕ …

Read More »

ምስ መድሃኒት “ኦክሲኮዶን” ዝተሓሓዝ ሞት እናበዝሐ ይመጽእ።

  ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት መድሃኒት “ኦክኪኮዶን” ብብዝሒ ከም እተረኽቦም ተገሊጹ። “ኦክሲኮዶን” ምስቶም ሃለዋት ከም እተጥፍእ ዝገብሩ መድሃኒታት (ማለት ናርኮቲክስ) ዝምደብ ኮይኑ፥ ብዙሓት ተሓከምቲ ይእዘዘሎም ምህላዉ መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን “ካልሊበር” ኣቃሊዓ። እዚ ከኒና ምስ ምምራዝ ካብ ዝተሓሓዙ መድሃኒታት ኣብ ልዑል ደረጃ ዝምደብ ኮይኑ፡ ኣስታት 100 ሰባት ብሰንኪ ወልፊ እቲ ከኒና ምሟቶም እታ ፕሮግራም ወሲኻ ገሊጻ። ሓደ ካብዞም ግዳያት፥ …

Read More »

ክሳብ 20 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ሽወደን ብሰንኪ ውርጪን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ጎደናታት ገለ ጸገማት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን ገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ኲነታት ኣመልኪቱ እቲ ትካል ብጫ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ 5-15 ሰንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ድማ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ገማግም ባልቲክ ዝርከባ ከባቢታት በዚ ብብርቱዕ ዝጽለዋ ከም ዝኽእላ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። በዚ ድማ ኣብ “ሶደርታልያ”፡ ኡፕሳላ፡ ስቶክሆልምን …

Read More »

ቲኬታት ሲነማ ኣብ ““ፍሪስክቫርድስቢድራግ” ኣቱዋት ክኾኑ ጻውዒት ቀሪቡ።

“ፍሪስክቫርድስቢድራግ” ኣስራሕቲ ሰራሕተኛታቶም ኣብ ጥዕናዊ ረብሓ ዘለዎ ንጥፈት ንኽሳተፉ ዘተባብዕ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነን ክሳብ 5000 ክሮና ዋጋ ዘውጽእ ኬር (በነፊት) እዩ። እዚ “በነፊት” ስፖርትን ካልእ ኣካላዊ ንጥፈትን ዘጠቓልል እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጒጅለታት ዝዓበያ ሲነማታት ሽወደን፥ ቲኬታት ሲነማ ኣብዚ ዝርዝር እቱዋት ክኾኑ ዝብል እማመ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብዛዕባዚ “ጥዕናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ንጥፈት” ዝብል ሓረግ ዝሰፍሐ ኣጣምታ ምሓዝ ከድልየና …

Read More »

ሰራዊት ሽወደን “ቲክቲክ” ከይጥቀሙ ተኣጊዶም።

ኣባላት ሰራዊት ሽወደን ኣብ ናይ ስራሕ ሞባይሎም ይዂን ታብሌቶም ማሕበራዊ ሚድያ “ቲክቶክ” ከይጥቀሙ ተኣጊዶም። በዚ ድማ ነቲ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ምግባር ክኸልከል እንከሎ እቶም ኣቐዲሞም ነዚ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ጌሮም ዝጸንሑ ኸኣ ብህጹጽ ክስርዝዎ ካብ ሰራዊት ሽወደን ንዂሎም ኣባላት እተዘርግሐ ናይ ኢሜይል መልእኽቲ ኣጠንቂቑ። እዚ ብ ኲባንያ ቻይና ዝውነን ኣፕሊኬሽን ናብ ውሻጠ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ዝኣቱ ብምዃኑ፡ ቻይና ኸኣ ነዚ ሓበሬታ ትእክቦ እያ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com