Friday , May 10 2024

ዜና

ዩክሬን፥ ብሰንኪ ኲናት ዝሰዓበ ዕንወት ከባቢ ዝምርምር ጉጅለ መስሪታ።

ዩክሬን፥ ብሰንኪ ኣብ ሃገራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሰዓበ ዕንወት ከባቢ ዝምርምር፡ ከምኡ’ውን ን ዳግመ ህንጸት ዝኸውን ኣማራጺታት ዝጥምትን ኣህጉራዊ ጉጅለ መስሪታ። "ዩክሬንን ካልእ ክፋል ዓለምን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣጸቢቖም ዝግንዘብዎ ነገር እንተሃልዩ፡ ተፈጥሮን ኣከባብን ካልእ ተወሳኺ ግዳይ ኲናት ይኸውን ምህላዉ እዩ" ክትብል ነዚ ጒጅለ ምስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣንድሪ የርማርክ ብምዃ ንእትመርሖ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ነበር ከምኡ’ውን …

Read More »

ሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጸጥታ ውጥናት ከም ዘይስዕብ ተቓሊዑ።

ሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጸጥታ ውጥናት ከም ዘየማልአ ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ውሑስ ኣሃዱታት ኮተቴ እቲ ትካል ኣብ ዘጋጠመ ህድማታትን ካልኦት ፍጻሜታት ስዒቡ ምዃኑ ኣብ ዮተቦሪ ዝርከብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቻነል ሬድዮ ሽወደንን ዜና ሬድዮ ሽወደንን ዘካየድዎ ሓባራዊ መርመራ ኣቃሊዑ። "ናይ ድሕነት ገምጋም ምስ ኣቐመጥካ፡ ኣብኡ ምጽናዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል ዳይረክተር …

Read More »

ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ብዘጋጠመ ምጥሓል ክልተ ሰባት ይሞቱ

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ኣብ ሓንቲ ናይ ተሳፈርቲ ጃልባ ብሰንኪ ዘጋጠመ ናይ ምዳቕ ሓደጋ ሓደ ህጻንን ሰበይትን ከም ዝሞቱ ፖሊስ ፖላንድ ኣረጋጊጹ። ንሓደ ሰዓት ድሕሪ ዝተኻየደ ጽዑቕ ፍተሻ ሬሳ እዞም ግዳያት ኣብቲ ማይ ተረኺቡ’ሎ። መወትቲ ክልቲኦም ዜጋታት ፖላንድ ምዃንም ተፈሊጡ’ሎ።

Read More »

ሎሚ ሰኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ተሰሪዙ።

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሓያሎ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ተሰርዙ። እዚ ውጥን ክስረዝ ዝተገብረ ኣብ መንጎ ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ሽወደንን ኣካል ኢንዱስትሪ ኣልመጋ ዝኾነ ኲባንያ ድሕነትን ኣብ ምምሕያሽ ደሞዝን ፖሊሲታት ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም እዩ። እዚ ኣድማ ከምቲ ዝተወጠኖ ተኻዪዱ እንተዝነብር መዓርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም፡ ዮተበሪን ማልምን ብኣሉታ ምተጸልዋ ኔረን። እዚ ስምምዕ ካብቲ ዝደልይዎ ብገለ መዳይ ጎደሎ እንተኾነ ዓብይ …

Read More »

ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ፥ ዝጸንሑሉ ማእከላት መምለሲ ክህነጽ እዩ።

ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ሰባት ዝጸንሑሉ ማእከላት መምለሲ ከቕውም ብሰልፊ ዲሞክራሲ ዝድገፍ መንግስቲ ሎሚ ቅልጡፍ ዕማም ሂብዎ። ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ዕላማ ምህናጽ እዚ ማእከላት ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ሰባት ናብ ዓዶም ክምለሱ ንምግባር ምዃኑ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕቶ ዕቚባ ካብ ዘቕረቡ እቶም 74% ጠለቦም ከም እተነጽገ ስተነጋድ ወሲኻ ኣመልኪታ። እንተኾነ ግና …

Read More »

ሞሮኮ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኣምባሳደራ ትጽውዕ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ መዓልቲ ዒድ-ኣላድሓ፥ ኣብ ደገ ቀንዲ መስጊድ ስቶክሆልም ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል ቊርኣን ማእከል ዝገበረ ናዕቢ፡ ሞሮኮ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኣምባሳደራ ምጽውዓ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን። ብዘይካዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሞሮኮ፡ ኣብ ራባጥ ንዝርከብ ወኪል ሽወደን ብምጽዋዕ ነዚ ምቅጻል ቊርኣን "ዘይቅቡል ተግባር" ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ን ስምዒት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኣመንቲ ምስልምና ጨሪሱ ዘየኽብር እዩ ብምባል ሽወደን ነቲ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -30-06-2023

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–መጠን ወለድ ይውስኽ።

ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ፡ ልዑል መጠን ዝቕባበ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ን መዐየሪ ወለዱ ብርብዒ ሚእታዊት ብምውሳኽ ናብ 3.75 ሚእታዊት ከም ዘዕበዮ ተገሊጹ። እዚ ወሰኽ ወለድ ብብዙሓት ተንተንቲ ቁጠባ ትጽቢት ክገብሩሉ ዝጸንሑ ኮይኑ፡ መጠን ዝቕባበ ግና ካብቲ ማእከላይ ባንክ ሸቶ ዝገበሮ 2 ሚእታዊት ዝልዕል እዩ። ሪክስባንክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ን ቀንዲ መጠን ወለድ ብፍርቂ ሚእታዊት ከም ዘዕበዮን ዝፍለጥ …

Read More »

ኣርቲፊሻል መማቕርቲ “ኣስፓርተም”፡ ካንሰር ዘኸትል ባእታ ተባሂሉ ክምደብ እዩ።

ኣርቲፊሻል መማቕርቲ “ኣስፓርተም”፡ ብ ኣህጒራዊ ትካል ምርምር መንሽሮ (IARC) ካንሰር ዘኸትል ባእታ ተባሂሉ ክምደብ ተዳልዩ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክግለጽ ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ፡ ኣብ መንጎ ኢንዱስትሪ መግቢ፡ ተቖጻጸርትን ትካላት ጥዕናን ዓብዪ ዘይምርድዳእ ፈጢሩ’ሎ። ኣስፓርተም ኣብ ከምኒ ኮካ-ኮላ ዝኣመሰሉ ፍርያት ልስሉስ መስተ፥ ማስቲካ “ማርስ ኤክስትራ”፡ ከምኡ’ውን ገለ መስተ ስናፕል ዝውዕል ፍሉይ መማቕርቲ ባእታ እዩ። IARC ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም …

Read More »

ፊንላንድ፥ መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብዘመዝገቦ ዓወት ልዑል ኣፍልጦ ረኺቡ።

ኲባንያ ፊናቭያ፡ ኣብ ምሕደራን ምዕባለን መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብዘመዝገቦ ዓወት ልዑል ኣፍልጦ ረኺቡ። በዚ ድማ ኣህጉራዊ ትካል መዓርፎ ነፈርቲ ACI፡ ን መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታ ብስፍሓቱ ናይ 2023 ዝበለጸ መዓርፎ ነፈርቲ ኤውሮጳ ክብል ሓጽይዎ’ሎ። "በዚ ዝረኸብናዮ ሽልማት ኣዝየ እየ ዘመስግን፡፡ ዓወት መዓርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ-ቫንታን ን ፊንላንድን ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ምሃቡ ድማ ሕቡን እየ፥ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ኲባንያ ፊናቭያ፥ ኩለን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com