Sunday , April 28 2024

ዜና

Transfer Galaxy

ንብስራት   ኣብ ሰሜን አውሮፓ ዝመደበሩ ትራንስፈር ጋላክሲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምዲ ኣብ  ዲጂታላዊ መፍትሒ ናይ ሓዋላ ወይካኣ ዝውውር ገንዘብ  ዘታኣታተወ ትካል ኮይኑ ሕጂ  ድማ ጠለብ ዓማዊሉ ንምምላእ  ካብ  ሙሉእ ኤውሮፓ ናብ ኤርትራ እውን ገንዘብ  ክትልእኩሉ  ትኽእሉ ቅልል ዝበለ መስርሕ ፈጢሩልኩም ኣሎ። እዚ ስርሒት እዚ ነቲ ኣብ አውሮፓ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኣብ ዓዱ ንዝርከብ ስድራቤቱ ንምድጋፍ ዝፅዕር  ዓቢ እፎይታ ይህቦ። ትራንስፈር …

Read More »

ናብ ወለዲ ናይ ሓሶት መልእኽቲ SMS ይግበር ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሽወደናውያን ወለዲ፡ ደቆም እናተመሰሉ መታለልቲ ሰባት ገንዘቦም ይምንዕዎም ምህላዎም ተፈሊጡ። እዞምግዳያት ዓሎቕ፥ ካብ ውሉዶም ሕሳብ ክኸፍል ደልየ ሓግዘኒ ዝብል ሕቶ ገንዘብ ዘለዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ይመጾም ኣሎ።“ዝኸበርኪ ኣደይ! ሞባይለይ ተበላሽያ ስለ ዘላ፡ ሓዳስ ንኽገዝእ ገንዘብ ልኣኽለይ፥ እዚኣ ሓዳስ ቊጽረይ እያ፡ በዚኣ ጌርኪልኣኽለይ” ዝብሉ ናይ ሓሶት መልእኽቲታት ኤስኤምኤስ በርኪቶም ኣለዉ። ካብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመትኣትሒዞም፥ ኣስታት 5000 ከምዚ …

Read More »

ኣብ ቱርክ ቆንስል ሽወደን እትሰርሕ ጓለንስተይቲ ሕቶ ቪዛኡ ብዝተነጽገ ሰብ ተጠቒዓ።

ኣብ ከተማ ኢዝሚር ቱርክ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ተቖጺራ እትሰርሕ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ፥ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብሰዓት ምሳሕ፥ ኣብ ኣፍልባ ብጥይት ተወቒዓ። ነዚ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ካብ ሶርያ ዝመጸ ስደተኛ ኮይኑ ፡ ናይ ቪዛሕቶኡ ስለ ዝተነጽገ ተቖጢዑ ነቲ ገበን ከም ዝወዓሎ ገሊጹ’ሎ። እታ ቱርካዊት ሰራሕተኛ ቆንስል፥ ኣብ ደረታን እግራን ብዝወረዳናይ ጥይት መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታል ጽዑቕ ክንክን ይካየደላ’ሎ። ሚኒስትሪ …

Read More »

ሓያሎ ኢንዱስትሪታት ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ከማልኣ ኣይክእላን እየን ተባሂሉ።

መንግስቲ ንፍቓድ ስራሕ ዝሃቦ “ሓድሽ ደረት ዝተሓተ ደሞዝ” ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፥ ብርክት ዝበላ ኢንዱስትሪታት ሰራሕተኛታትምርካብ ብድሆ ክኾነን እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 100 ሓባራዊ ውዕላት ኣብ ወርሒ ትሕቲ እቲ ሓድሽደረት ደሞዝ ዝኸፍላ እየን። እዚ ድማ፥ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾኑ ዜጋታት ፍቓድ ስራሕ ንምርካብ፥ ወይ ነቲ ዝጸንሐፍቓድ ንምንዋሕ ካብ ዘድልዮም መጠን ደሞዝ ዝትሕት ምዃኑ፥ ማዕከን ዜና TT …

Read More »

“ሽወደን ቁጽጽር ዶባት ከተትርር እያ”–ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሾን።

ሽወደን፥ ምስታ ሃገር ዝኾነ ምትእስሳር ዘይብሎም፡ ከምኡ’ውን ገበን ንምፍጻም መዲቦም ዝጓዓዙ ሰባት ንኸይኣትዉ፥ ኣብዶባታ ዕቱብ ቊጽጽር ክትገብር እያ። ብምኽንያት እቶም ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት እተኻየዱ ምቅጻል ቊርኣን ዘጠቓልሉ ሰልፊታትተቓውሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝጸንሐ ስግእታት ግብረ-ሸበራ ምውሳኹ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን–ሳፖ–ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ።በዚ ድማ መንግስቲ ሓደገኛታት እዮም ዝበሎም ሰባት ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ን ፖሊስ ጥብቂ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ኣብቲትማሊ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ ዋዕላ እተሳተፈ ሚኒስተር ፍትሒ …

Read More »

ብሰንኪ ምስንባት ሰራሕተኛታት፥ ክፍሊት ሓገዝ ህጻናት ይደናጐ።

ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን፥ ገንዘብ ንምቑጣብ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ናይ ፈተነ ግዜ ዝነበሩ ኣስታት 450ሰራሕተኛታት ኣሰናቢቱ። ይኹን’ምበር እዚ ኲነታት፥ ነቶም ምስ ንጽል ወላዲኦም ዝዓብዩን ካብቲ ክልኣይ ወላዲኦም ሓገዝንዘይረኽቡን ህጻናት ዝወሃብ ክፍሊት ደገፍ፥ ንኽናዋሕ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ፡፡ ኣንደርስ ኤክዳል-ኦልሰን፡ ናብቲ ክፍሊ ዘእተዎመመልከቲ ውሳነ ኽወሃቦ ዳርጋ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዝተጸበየ ይዛረብ። ብምኽንያት እዚ ምድንጓይ፥ ካብ ሕሳብ ባንኩእናውጽአ ክጥቀም ከም እተገደደ፥ ወሲኹ ይገልጽ። …

Read More »

“ብምኽንያት ምውሳኽ ደረት ደሞዝ ዝወሓደ ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ክግበር ትጽቢት ኣሎ”–ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን።

መንግስቲ ዝወሰኖ ዝተሓተ ደረት ደሞዝ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ክጎድል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ “ኤጀንሲስደተኛታት ሽወደን” ገሊጹ። ኣብ ኤጀንሲ ሚግሬሽን ዳይረክተር ውጥን ኣኒካ ጎትበሪ፡ ብመሰረት ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት ዝተገብረትንበያ፥ ኣብዚ ዓመት ኣስታት 7 ሽሕ መመልከቲታት ጥራይ ክኣቱ ትጽቢት ኣሎ። ብተወሳኺ ካብ ኣርባዕተ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት፥ እቲ ሓደ ነቲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ …

Read More »

ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ክቃጸል ዝጽውዑ ሕቶታት ይብርክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቅዳሓት ቁርኣን ዝቃጸለሉ ተቓውሞታት ንምክያድ ዝደልዩ ሓያሎ ሕቶታት ከም ዝበጽሖም ፖሊስ ስቶክሆልምገሊጾም። ብዘይካዚ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙርን ከቃጽል ዝደሊ ሰብ ዘእትዎ ናይፍቓድ መመልክቲ ከም ዝበጽሖ ፖሊስ ስቶክሆልም ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝርከቡ ፖሊስ፡ ተመሳስሊ ክልተ ሕቶበጺሕዎም ኣሎ። እቲ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቅጻል ዝሓትት ፥ እቲ ሓደ ድማ ንቁርኣን ዝምልከት እዩ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ …

Read More »

ብሰንኪ ምቅጻል ቁርኣን ሕጊታት ሓሳብካ ምግላጽ ምትዕርራይ ክግበረሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ሽወደን ዝተኻየዱ ቅዳሓት ቁርኣን ዝተቓጸልሉ ሰልፊታት ተቓውሞ፥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሰፊሕ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ ምልዕዓሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ስግኣታት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ከም ዝውስኽ ጌሩ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ኤሜሪቱስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኦቨ ብሪንግ፡ ብፍላይ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዝቃጸሉሉ ተቓውሞታት ንምክልኻል፡ ነቲ ኣብ ዙርያ ናጽነት ምዝራብን ምእካብን ዘሎ ሕግታት ምትዕርራይ ክግበረሉ ከም ዘድሊ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ምቅጻል ኣብ ሽወደን ከም ኣካል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል እዩ ዝረአ። “ሕጊ ሽወደን ን መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ሰፊሕ ቦታ …

Read More »

ሪቻርድ ጆምሾፍ ን ነቢዪ መሓመድ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ጽሑፍ የዘራርብ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ሽወደን ሪቻርድ ጆምሾፍ ፡ ን ነቢዪ መሓመድ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖጽሑፍ “ነብዪ መሓመድ ኣዛዚ ውግእ፡ ብጅምላ ዝቐትል፡ ነጋዳይ ባሮትን ሽፍታን እዩ ኔሩ” ብምባሉ ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድተቓወምቲ ሰልፊታት ሽወደን ጸዊዖም። ኣብ እስልምና ኣዝዩ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ሪቻርድ ጆምሾፍ፡ ኣብ ሽወደንዝቕጽል ዘሎ ቅዱስ ቁርኣን ዘቃጽል ሰልፊታት ኣመልኪቶም ዘተ ክካይዱ፥ ካብ ኣቦ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com