Sunday , May 12 2024
Photo: Ali Lorestani/TT

ሪቻርድ ጆምሾፍ ን ነቢዪ መሓመድ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ጽሑፍ የዘራርብ።


ኣቦ መንበር ኮሚቴ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ሽወደን ሪቻርድ ጆምሾፍ ፡ ን ነቢዪ መሓመድ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ
ጽሑፍ “ነብዪ መሓመድ ኣዛዚ ውግእ፡ ብጅምላ ዝቐትል፡ ነጋዳይ ባሮትን ሽፍታን እዩ ኔሩ” ብምባሉ ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ
ተቓወምቲ ሰልፊታት ሽወደን ጸዊዖም። ኣብ እስልምና ኣዝዩ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ሪቻርድ ጆምሾፍ፡ ኣብ ሽወደን
ዝቕጽል ዘሎ ቅዱስ ቁርኣን ዘቃጽል ሰልፊታት ኣመልኪቶም ዘተ ክካይዱ፥ ካብ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣስላም ሽወደን ታሂር ኣካን
ጻውዒት ክግበረሉ ጸኒሑ’ሎ።
ጆምሾፍ ኣብ ትዊተር “‘ዘተ ከምዘድልየና ይሰማማዕ እየ” ኢሉ። “ዝርርብና ንሃገራት እስላም ብኸመይ ዲሞክራስያዊያን
ንገበረን፥ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ኣዛዚ ኲናት፡ ኣህላቒ፡ ነጋዳይ ባሮትን ሽፍታን መሓመድ ዝመስረቶ ጸረ-ዲሞክራሲ፡ ዓመጸኛ፥ ጸረ
ደቂ ኣንስትዮን ዝኾነ ሃይማኖት እስልምና ኣመልኪትና ክንዝቲ ንኽእል ኢና” ክብል ጽሒፉ’ሎ። እዚ ጽሑፍ ትማል ሓሙስ ኣብ
ትዊተር ምስ ተዘርግሐ፡ ጆምሾፍ ካብ ኣቦ መንበርነት ክእለ ዝግበር ጻውዒት በርኪቱ’ሎ።
መራሒት ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርሾን “መልእኽቲ ትዊተር ሪቻርድ ጆምሾፍ ምስ ሃገራት እስላም ኣብ ዘየድሊ
ቆይቊ ዝጸምድ ብምዃኑ፥ ስልጣን ኣቦ መንበርነቱ ክገድፍ ኣለዎ” ኢላ’ላ። እዚ ግበረመልሲ ዝመጸ፡ መንግስቲ ነዚ ቅልውላው
ምንዳድ ቁርኣን ዝሃቦ መልሲ ዝግተኛ ብምዃኑ እዩ ክብል ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com