Monday , May 13 2024

ኣብ ቱርክ ቆንስል ሽወደን እትሰርሕ ጓለንስተይቲ ሕቶ ቪዛኡ ብዝተነጽገ ሰብ ተጠቒዓ።


ኣብ ከተማ ኢዝሚር ቱርክ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ተቖጺራ እትሰርሕ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ፥ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ
ሰዓት ምሳሕ፥ ኣብ ኣፍልባ ብጥይት ተወቒዓ። ነዚ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ካብ ሶርያ ዝመጸ ስደተኛ ኮይኑ ፡ ናይ ቪዛ
ሕቶኡ ስለ ዝተነጽገ ተቖጢዑ ነቲ ገበን ከም ዝወዓሎ ገሊጹ’ሎ። እታ ቱርካዊት ሰራሕተኛ ቆንስል፥ ኣብ ደረታን እግራን ብዝወረዳ
ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታል ጽዑቕ ክንክን ይካየደላ’ሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት እታ
ሃገር እንታይ ዓይነት ስግኣታት የጋጥሞ ምህላዉ፡ ወይ’ውን እንታይ ዓይነት ስጉምትታት ይወስዱ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ
ሕቶታት ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com