Monday , May 13 2024
Credit: Caisa Rasmussen/TT

“ሽወደን ቁጽጽር ዶባት ከተትርር እያ”–ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሾን።


ሽወደን፥ ምስታ ሃገር ዝኾነ ምትእስሳር ዘይብሎም፡ ከምኡ’ውን ገበን ንምፍጻም መዲቦም ዝጓዓዙ ሰባት ንኸይኣትዉ፥ ኣብ
ዶባታ ዕቱብ ቊጽጽር ክትገብር እያ። ብምኽንያት እቶም ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት እተኻየዱ ምቅጻል ቊርኣን ዘጠቓልሉ ሰልፊታት
ተቓውሞ፥ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝጸንሐ ስግእታት ግብረ-ሸበራ ምውሳኹ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን–ሳፖ–ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ።
በዚ ድማ መንግስቲ ሓደገኛታት እዮም ዝበሎም ሰባት ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ን ፖሊስ ጥብቂ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ኣብቲ
ትማሊ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ ዋዕላ እተሳተፈ ሚኒስተር ፍትሒ ጉና ስትሮመ፥ ብፍላይ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ሓላፍነት እዚ ቊጽጽር ከም
ዝወስዱ ኣስሚሩሉ’ሎ። ሰባትን መካይንን ምፍታሽ ሓዊሱ ወረቐት መንነት ምጽራይ፥ ኣብ ከባቢ ዶባት ከኣ ኮለላን ስለያን
ምክያድን ካልእን ዕዮታት ከሳልጡ እዮም። ፖሊስ እታ ሃገር ቁጽጽር ዶባት ንምሕያል፥ ተወሳኺ ዕማም ክወሃቦ እዩ። ብዘይካዚ
ፖሊስ ሰልፊታት ክካየድ ፍቓድ ዝህቡሉ ኣገባብ ዝቆጻጸር “ሕጊ ህዝባዊ ስርዓት” ንምትዕርራይ ሓሳብ ከም ዘለዎ መንግስቲ
ሓቢሩ’ሎ።
“ኣብዚ ዝመጽእ ኣገዳሲ ሕቶ፥ እቲ ክካየድ ፍቓድ ዝወሃቦ ሰልፊ ንድሕነትን ኣህጒራዊ ዝምድናታትን ሽወደን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ድዩ
ዝብል እዩ” ክብል ስትሮመ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Credit: Caisa Rasmussen/TT


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com