ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት መድሃኒት “ኦክኪኮዶን” ብብዝሒ ከም እተረኽቦም ተገሊጹ። “ኦክሲኮዶን” ምስቶም ሃለዋት ከም እተጥፍእ ዝገብሩ መድሃኒታት (ማለት ናርኮቲክስ) ዝምደብ ኮይኑ፥ ብዙሓት ተሓከምቲ ይእዘዘሎም ምህላዉ መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን “ካልሊበር” ኣቃሊዓ። እዚ ከኒና ምስ ምምራዝ ካብ ዝተሓሓዙ መድሃኒታት ኣብ ልዑል ደረጃ ዝምደብ ኮይኑ፡ ኣስታት 100 ሰባት ብሰንኪ ወልፊ እቲ ከኒና ምሟቶም እታ ፕሮግራም ወሲኻ ገሊጻ። ሓደ ካብዞም ግዳያት፥ …
Read More »ዜና
ክሳብ 20 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ሽወደን ብሰንኪ ውርጪን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ጎደናታት ገለ ጸገማት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን ገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ኲነታት ኣመልኪቱ እቲ ትካል ብጫ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ 5-15 ሰንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ድማ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ገማግም ባልቲክ ዝርከባ ከባቢታት በዚ ብብርቱዕ ዝጽለዋ ከም ዝኽእላ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። በዚ ድማ ኣብ “ሶደርታልያ”፡ ኡፕሳላ፡ ስቶክሆልምን …
Read More »ቲኬታት ሲነማ ኣብ ““ፍሪስክቫርድስቢድራግ” ኣቱዋት ክኾኑ ጻውዒት ቀሪቡ።
“ፍሪስክቫርድስቢድራግ” ኣስራሕቲ ሰራሕተኛታቶም ኣብ ጥዕናዊ ረብሓ ዘለዎ ንጥፈት ንኽሳተፉ ዘተባብዕ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነን ክሳብ 5000 ክሮና ዋጋ ዘውጽእ ኬር (በነፊት) እዩ። እዚ “በነፊት” ስፖርትን ካልእ ኣካላዊ ንጥፈትን ዘጠቓልል እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጒጅለታት ዝዓበያ ሲነማታት ሽወደን፥ ቲኬታት ሲነማ ኣብዚ ዝርዝር እቱዋት ክኾኑ ዝብል እማመ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብዛዕባዚ “ጥዕናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ንጥፈት” ዝብል ሓረግ ዝሰፍሐ ኣጣምታ ምሓዝ ከድልየና …
Read More »ሰራዊት ሽወደን “ቲክቲክ” ከይጥቀሙ ተኣጊዶም።
ኣባላት ሰራዊት ሽወደን ኣብ ናይ ስራሕ ሞባይሎም ይዂን ታብሌቶም ማሕበራዊ ሚድያ “ቲክቶክ” ከይጥቀሙ ተኣጊዶም። በዚ ድማ ነቲ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ምግባር ክኸልከል እንከሎ እቶም ኣቐዲሞም ነዚ ኣፕሊኬሽን ዳውንሎድ ጌሮም ዝጸንሑ ኸኣ ብህጹጽ ክስርዝዎ ካብ ሰራዊት ሽወደን ንዂሎም ኣባላት እተዘርግሐ ናይ ኢሜይል መልእኽቲ ኣጠንቂቑ። እዚ ብ ኲባንያ ቻይና ዝውነን ኣፕሊኬሽን ናብ ውሻጠ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ዝኣቱ ብምዃኑ፡ ቻይና ኸኣ ነዚ ሓበሬታ ትእክቦ እያ …
Read More »ፖሊስ ላዕለዎት ጸፍሒ ጒጅለታት ገበን ዕላማ ብምግባር ስርሒት የካይዱ ኣለዉ።
ፖሊስ ጒጅለታት ገበን ኣመልኪቶም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓድሽ “ሃገራዊ ስርሒት”፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ እዞም ጒጅለታት ንዝርከቡ ውልቀሰባት ዕላማ ይገብሩ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ስርሒት ንኽዕወት፥ ሃገራዊን ኣህጒራዊን ምትሕግጋዝ ክውስኽ ፖሊስ ኣተኲሮ ሂቦምሉ ኣለዉ። እዞም ጒጅለታት መርበቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዞባታትን ሽወደን ዘርጊሖም ብምህላዎም፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ፖሊስ ሽወደን ተዋዲዶም ንክሰርሑ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ ክብል ኣብ ክፍሊ ፖሊስ ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ስርሒታት …
Read More »ኣብ ገማግም ቱኒስያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምጥሕል ጀላቡ ብውሕዱ 29 ስደተኛታት ሞይቶም።
ኣብ ገማግም ቱኒስያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምጥሕል ጀላቡ፥ ብውሕዱ 29 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እዞም ካብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት፥ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓስ ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ ኣንቂዶም ምንባሮም እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት እውን፥ ካልኦት ሓሙሽተ ጀላቦ ጥሒለን ስደተኛታት ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ። እዚ እናኾነ፥ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ዝርከቡ ሰብ-መዚ ኢጣልያ፥ ኣብ ሓደ መዓልቲ …
Read More »ሰይመር ሀርሽ፥ “ምምሕዳር ባይደን ክሳብ ሕጂ ንምፍንጃር መትረብ ጋዝ “ኖርድ ስትሪም 2’ ይኽሕድ ኣሎ”
ቅድሚ ሽዱሽተ ሳምንታት መርማሪ ጋዜጠኛ ሰይመር ሀርሽ፡ ኣብ ወርሓ መስከረም ብዛዕባ እተኸስተ ምፍንጃር መትረብ ጋዝ “ኖርድስትሪም 2” ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ተቐባልነት ምርካቡ ተገሊጹ። እዚ 11 ቢልዮን ዶላር ዝወድአ መትረብ ጋዝ ካብ ሩስያ ናብ ጀርመን ዝነበረ ሰደድ ጋዝ ብዕጽፊ ከዕቢ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩሉ ኔሩ እዩ። ጻብጻብ ሀርሽ ኣብ ጀርመንን ምዕራብ ኣውሮጳን ብዙሕ ኣቓልቦ እኳ እንተረኸበ፡ ብኣመሪካ ግና ከም …
Read More »ክሪስተርሰን፡ “ሃንጋሪ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከም ዘይተደናጒ ቃል ኣትያ”
ሃንጋሪ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከም ዘይተደናጒ ቃል ምእታዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ገሊጹ። ንሱ ነዚ ዝበለ፥ ምስ መራሒ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ኣኼባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ብራስለስ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ። እንተኾነ ግና ሃንጋሪ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ቅድሚ ናይ ፊንላንድ ስለምንታይ ተጽድቕ ምህላዋ ን ክሪስተርሰን ዝተዋህቦ ምኽንያት የለን። እንተኾነ ግና ሃገራት ጒዳየን ብዝመሰለን ከጽድቓ መሰለን …
Read More »ኣትሌታት ክለብ ሽወደን ብሕጊ ክልኲል ሳብስታንስ ክወስዱ ምጽንሖም ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ኣትሌታት ሽወደን ብሕጊ ክልኲል መድሃኒታት ክወስዱ ምጽንሖም ተገሊጹ። እዞም ኣትሌታት ናብተን ዝተኸልከለ መድሃኒት ብብዝሒ ዝርከበልን ሃገራት ምስ ከዱ እዮም እዚ ግዛዕ ወሲዶም ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። “ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ሽወደን” ኣብዘን ከምዚ ዝተባህለ ስግኣት ዘለወን ሃገራት፥ ናይ ልምምድ ካምፕ ከም ዘይተኸለ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ከዋኽብቲ ኣትሌታት ሽወደን ከይተረፉ ነዘን ሃገራት ንልልምድ ብምምራጽ ናብኣተን ክኸዱ ምጽንሖም እቲ ዜና …
Read More »ተመራመርቲ ሽወደን ካብ ዝዓሰወ ሕብስቲ “ሌዘር” የፍርዩ።
ተመራመርቲ ሽወደን፥ ካብ ዝዓሰወ ሕብስቲ ዓለባ የዳልዉ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣርባዕተ ዓመታት ይገብር ዩኒቨርሲቲ ቦሮው ነዚ ፕሮጀክት ብምድላዉ ተሽላሚ ኮይኑ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ፕሮጀክት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ሓዪሉ “ፕላስተራትን” “ፊልተራት” ን ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ነዚ ፕሮጀክት ትመርሕ ዘላ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦራስ ክፍሊ ኢንዱስትርያዊ ባዮቴክኖሎጂ ተሓጋግዚት ፕሮፈሰር ኣክረም ዘማኒ “በዚ ፕሮጀክት ኣቢልና ፍልይ ዝበሉ ፍርያት ከነዐውት …
Read More »