Sunday , April 28 2024

ዜና

ሩስያ ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ንኸይካየድ ዝጽውዕ እማመ ውዱቕ ትገብሮ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፥ ኩለን ሃገራት ኣብ ጠፈር ውድድር ኣጽዋር ኸይካየዳ ንዝጽውዕ እማመ፥ ሩስያ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ ስልጣና ብምጥቃም ውዱቕ ጌራቶ። እቲ ብኣሜሪካን ጃፓንን ዝቐረበ ንድፊ ውሳኔ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ውዕል ጠፈር 1967 ዝተነብረ መትከል ዳግማይ ከረጋግጽ ዝዓለመ እዩ። ሩስያ ኣብ ጠፈር ዝተመርኮሰ ጸረ ሳተላይት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተማዕብል ምህላዋ ኣመሪካ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ’ላ። ሩስያ ነቲ ዝጸንሐ ውዕል ብጽኑዕ ከም እትስዕቦ” …

Read More »

ፊንላንድ፥ መንግስቲ ንጥዕና ኣመልኪቱ ዘውጽኦ እማመታት ሰፊሕ ስክፍታታት የለዓዕል

ኣብ ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL) ፕሮፌሰር መጽናዕቲታት ኢልሞ ኬስኪምኪ፡ ኣብ ሓደስቲ መንግስታዊ እማመታት ዝተራእየ ምጒዳል ምወላ ክንክን ጥዕና ስክፍታ ምፍጣሩ ገሊጹ። “እዚ እማመ ዘድሊ ፍተሻ ዝተገብረሎም ኣይመስሉን” ክብል ትማሊ ረቡዕ ኣብ YLE A-studio ገሊጹ። ኬስኪማኪ፡ ገለ መዳያት ናይቲ እማመታት፡ መንግስቲ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝወሰነ ኣጸቢቑ ከም ዘይተገንዘበ ዝሕብር ኮይኑ፡ ነቲ “ምስ ስነ- ጽባቐ ዝምደብ ፕላስቲክ መጥባሕቲ” ካብ ፍሉይ …

Read More »

ጸረ ፋሽሽታዊ ኣኼባ መጥቃዕቲ ይበጽሖ

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ብጸጋማይ ሰልፊ፣ ሓምላይን ፋውንዴሽን ጸረ ዓሌታዊ ኤክስፖ ፋውንዴሽንን ኣብ ዝተዳለወ ህዝባዊ ኣኼባ ሓያሎ ማስክ ዝተኸድኑ ስባት መጥቃዕቲ ፈጺሞም። እቲ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ጉባንገን ዝተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተርእዮ ፋሲስትነት” ከምዝነበረ ካብ ጸጋማዊ ሰልፊ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ካልኦት መራሕቲ ሰልፍታትን ነቲ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ መትከል ዲሞክራሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ …

Read More »

“ኮሚሽን ምክልኻል” ጽባሕ ዓርቢ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ከቕርብ እዩ

ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዕዮ፥ “ኮሚሽን ምክልኻል” ጽባሕ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ከረክብ እዩ፡፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ድሕሪ ምጽንባራ እዚ ኮሚሽን ብተመሳሳሊ ተኸሲቱ ኔሩ እዩ ። እዚ ኮሚሽን ካብ ዝርእዮም ኣገደስቲ ሕቶታት እቲ ቀንዲ ሽወደን ናብ ወተህደራዊ ሽርክነት ኔቶ ድሕሪ ምጽንባራ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብኸመይ ምስዚ ሓድሽ ኲነታት ክላመዱ እዮም ዝብል እዩ። እቲ ኮሚሽን ብኣባላት ኩለን ኣባላት ሰልፊ ባይቶ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣዕሩኽ ምፍጣር ከመይ ይመስል?

ኣብ ሽወደን ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ብቐረብ ዘዕልልዎ ዓርከ/መሓዛ የብሎምን ክብል ስታቲስቲክስ ህዝቢ ሽወደን ኣመልኪቱ። እዚ ቁጽሪ ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ብዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ ተባሂሉ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ሽወደን ኣዕሩኽ ኣብ ምፍራይ ዘሕለፍዎ ተመኩሮታት ዳህሳስ ኣካዪዳ’ላ። ብዙሓት ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶም ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን፥ ኣዕራብን ካብ ርሑቕ ምብራቕ እተወልዱን ሰባት …

Read More »

ግዳይ ኣብቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቤት ምንባር ብምቕጻሉ ካሕሳ ይኽልከል

ኩባንያታት መድሕን ካሕሳ ንምሃብ ግዳያት ጾታዊ ገበናት ከመይ ዝበለ ኲነታት ከቕርቡ ከም ዘለዎም ዝተፈላለየ ጠለባት ከም ዘለወን ብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መርመራ ኣመልኪቱ። ‘ሳይሞን’ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሖ ብምግላጽ ካብቲ ትካል መድሕን ካሕሳ መሕወዪ እኳ እንተሓተተ እዚ ከም እተኸልከለ ተፈሊጡ። እቲ ትካል ነዚ ካሕሳ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበሉ ምኽንያት እቲ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ኣፓርታማ ምንባር ብምቕጻሉ …

Read More »

ኣብ ሰራዊት ሶርያ ዘገልገሉ ዜግነት ሽወደን ይኽልከሉ

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 700 ሶርያውያን ኣብ ሰራዊት ሶርያ ኣገልጊሎም ብዝብል ምኽንያት ዜግነት ሽወደን ከምዝተኸልከሉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ካብ 2004 ዝወጸ ውሳነ መንግስቲ ሽወደን ከም ዝሕብሮ፡ ገበናት ኲናት ኣብ ዝፈጸሙ ውድባት ዝተሳተፉ ሰባት ን 25 ዓመታት ዜግነት ሽወደን ኣይወሃቡ እዮም፡፡ ሰራዊት ሶርያ ብመንግስቲ ሽወደን ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ገበናት ኲናት ካብ ዝፈጸሙ ትካላት እዩ ዝጽብጸብ። ማትስ …

Read More »

ኣብ ሶደርታልየ ክልተ ህጻናት ተቐቲሎም

ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ኣብ እትርከብ ከተማ ሶደርታልየ ክልተ ህጻናት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ሓቢሩ። ክልተ ብዕድመ እኹላት ሰባት ብቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስቲ ገበን ዝተሓሓዝ መርመራ (ፎረንሲክ) ይካየድ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብዝተረፈ ፖሊስ ዝኾነ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።

Read More »

ሰባት ደው ኣቢልካ ምፍታሽ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘሎ ተኣማንነት ክንኪ ዝገብር እዩ ተባሂሉ

ፖሊስ ኣብ ዞባታት ደው ኣቢሎም ሰባት ክፍትሹ ዘኽእሎም ሓድሽ ሕጊ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ተግባራዊ ብምዃን ፖሊስ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ምፍታሽ ኣካላት ሰብነት ንምክያድ ዝለዓለ ስልጣን ክህልዎም ምዃኑ ተገሊጹ። መንግስቲ ሽወደን፡ ኣንጻር ገበናት ጕጅለታት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ሓደስቲ ሜላታት ክትግበሩ ኣለዎም ኢሉ እዩ ዝምጉት። እቲ ኣገባብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተፈተነ ኮይኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ገለ ጉጅለታት ኣድልዎ ንኽበጽሖም ዘቃልዕ እዩ …

Read More »

ሓድሽ ኣገባብ ዲኤንኤ ዝምድና ስድራቤት ንምልላይን ገበን ንምፍታሕን ክሕግዝ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ሓድሽ ኣገባብ መርመራዊ ጸብጻብ “ዲኤንኤ ፎረንሲክ ፕሮፋይሊንግ” ኤጀንሲ ሚግሬሽን ርክብ ስድራቤት ንምድህሳስ ንዝገብሮ ዕዮ ከቃልሎ ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ ሬሳታት ሰባት ንምልላይ ዓብዪ ሓገዝ ክገብር፥ በዚ ኣቢሉ ድማ ፖሊስ ዘይተፈትሐ ቅትለትን ካልእ ገበናትን ንምጽራይ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሖ ዘሎ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ፎረንሲክ ሜዲሲን ዝሰርሕ ኣንድሬስ ቲልማር ኮይኑ፡ እዚ ሓድሽ ኣገባብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com