Saturday , May 4 2024

ሓድሽ ኣገባብ ዲኤንኤ ዝምድና ስድራቤት ንምልላይን ገበን ንምፍታሕን ክሕግዝ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

Credit: Pontus Lundahl / TT

ሓድሽ ኣገባብ መርመራዊ ጸብጻብ “ዲኤንኤ ፎረንሲክ ፕሮፋይሊንግ” ኤጀንሲ ሚግሬሽን ርክብ ስድራቤት ንምድህሳስ ንዝገብሮ ዕዮ ከቃልሎ ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ ሬሳታት ሰባት ንምልላይ ዓብዪ ሓገዝ ክገብር፥ በዚ ኣቢሉ ድማ ፖሊስ ዘይተፈትሐ ቅትለትን ካልእ ገበናትን ንምጽራይ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሖ ዘሎ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ፎረንሲክ ሜዲሲን ዝሰርሕ ኣንድሬስ ቲልማር ኮይኑ፡ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ካብ ዝነኣሰ መጠን ዲኤንኤን ካብ ዝተበላሸወ ናሙናታትን ከይተረፈ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣዝዩ ዘተኣማምን ኣገባብ ምዃኑ ይገልጽ። ብኻልእ ዜና መንግስቲ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ውልቃዊ ሓበሬታ ሕሙማት ከውሕሳ ዘኽእል እኹል ደገፍ ከምዘይህብ ብምልዓል ወቒሱ። “ወሃብቲ ክንክን ውልቃዊ መረዳእታ ተሓከምቲ ንኽስተር ዘድልዮም መምርሒ ከምዘይረኽቡ ኣጣሊልና ኢና” ይብል መሪሕ ኦዲተር እቲ ትካል ነዲም ኮሎ። ምዝራቚ ዳታ ወይ መጥቃዕቲ ሳይበር እንተዝፍጸም፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ሰባት ብኢንተርነት ክዝርጋሕ ወይ ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ንሓካይም ክቐርብ ከምዘይክእል፥ እዚ ድማ ኣሻቓሊ ኲነታት ምዃኑ ኮሎ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com