Monday , May 13 2024
Credit: Oscar Olsson/TT Nyhetsbyrån

ብሰንኪ ምቅጻል ቁርኣን ሕጊታት ሓሳብካ ምግላጽ ምትዕርራይ ክግበረሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ሽወደን ዝተኻየዱ ቅዳሓት ቁርኣን ዝተቓጸልሉ ሰልፊታት ተቓውሞ፥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሰፊሕ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ ምልዕዓሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ስግኣታት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ከም ዝውስኽ ጌሩ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ኤሜሪቱስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኦቨ ብሪንግ፡ ብፍላይ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዝቃጸሉሉ ተቓውሞታት ንምክልኻል፡ ነቲ ኣብ ዙርያ ናጽነት ምዝራብን ምእካብን ዘሎ ሕግታት ምትዕርራይ ክግበረሉ ከም ዘድሊ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ምቅጻል ኣብ ሽወደን ከም ኣካል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል እዩ ዝረአ። “ሕጊ ሽወደን ን መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ሰፊሕ ቦታ ዝህብ እዩ። እንተኾነ ግና፥ ን ኣህጒራዊ መትከላት ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ግምት ብምእታው፥ እዚ ጒዳይ ምትዕርራይ ክግበረሉ ይኽእል እዩ። እዚ ብኣህጒራዊ ሕጊ ዝድገፍ ተግባር እዩ። ብዘይካዚ ከምቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዒራቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝኣመሰለ ን ኣህጒራዊ ረብሓን ዝምድናን ሽወደን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስ ዝኸውን፥ ገደብ ክግበረሉ ዝሓሸ እዩ” ክብል ገሊጹ።  

ጋዜጠኛ ከምእ’ውን ክኢላ ናጽነት ምዝራብን ፕረስን ኒልስ ፋንክ፡ ምቅጻል ቁርኣን “ባርባራዊን ጎዳኢን ተግባር” እኳ እንተኾነ ፡ ሕጊ ሽወደን ክቕየር ኣለዎ ኣብ ዝብል ግና ኣይሰማማዕን እየ ይብል። “ከሎ ጌና፥ ረብሓ ሽወደን ኣብ ሓደጋ ክእቱ ይኽእል እዩ ብዝብል ዘይንጹር ስግኣት እዚ መሰል ክቃጠን ምግባር ዝድገፍ ኣይኮነን” ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Bild Credit: Oscar Olsson/TT Nyhetsbyrån


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com