Monday , May 13 2024
Credit: Susanne Lindholm/TT

ሓያሎ ኢንዱስትሪታት ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ከማልኣ ኣይክእላን እየን ተባሂሉ።



መንግስቲ ንፍቓድ ስራሕ ዝሃቦ “ሓድሽ ደረት ዝተሓተ ደሞዝ” ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፥ ብርክት ዝበላ ኢንዱስትሪታት ሰራሕተኛታት
ምርካብ ብድሆ ክኾነን እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 100 ሓባራዊ ውዕላት ኣብ ወርሒ ትሕቲ እቲ ሓድሽ
ደረት ደሞዝ ዝኸፍላ እየን። እዚ ድማ፥ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾኑ ዜጋታት ፍቓድ ስራሕ ንምርካብ፥ ወይ ነቲ ዝጸንሐ
ፍቓድ ንምንዋሕ ካብ ዘድልዮም መጠን ደሞዝ ዝትሕት ምዃኑ፥ ማዕከን ዜና TT ጸብጺባ።
ካብ “ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ሽምግልና” ዝኾነት ኢሪን ዌነሞ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣስራሕቲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ
ወጻኢ ንዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ ከከም ሓባራዊ ስምምዖም ክንድቲ ወጺኡ ዘሎ መጠን ደሞዝ ምኽፋል ክጽገሙ እዮም ትብል።
ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ ብወገና ን ኣገልግሎት ዜና TT ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዞም ስራሓት ኣብ
ሽወደን ብዘለዉ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ክወሰዱ ከም ዝኽእሉ ገሊጻ’ላ።

Credit: Susanne Lindholm/TT

Credit: Susanne Lindholm/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com