Monday , May 13 2024
Credit: Martina Holmberg/TT och Lars Hedelin

ናብ ወለዲ ናይ ሓሶት መልእኽቲ SMS ይግበር ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሽወደናውያን ወለዲ፡ ደቆም እናተመሰሉ መታለልቲ ሰባት ገንዘቦም ይምንዕዎም ምህላዎም ተፈሊጡ። እዞም
ግዳያት ዓሎቕ፥ ካብ ውሉዶም ሕሳብ ክኸፍል ደልየ ሓግዘኒ ዝብል ሕቶ ገንዘብ ዘለዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ይመጾም ኣሎ።
“ዝኸበርኪ ኣደይ! ሞባይለይ ተበላሽያ ስለ ዘላ፡ ሓዳስ ንኽገዝእ ገንዘብ ልኣኽለይ፥ እዚኣ ሓዳስ ቊጽረይ እያ፡ በዚኣ ጌርኪ
ልኣኽለይ” ዝብሉ ናይ ሓሶት መልእኽቲታት ኤስኤምኤስ በርኪቶም ኣለዉ። ካብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት
ኣትሒዞም፥ ኣስታት 5000 ከምዚ ዝኣመሰሉ መልእኽቲታት ናብ ወለዲ ከም እተላእኩ ተፈሊጡ’ሎ። እንተኾነ ግና ኣዝዮም
ብዙሓት ከምዚ ዝመሰለኡ ናይ ዓሎቕ ገበናት ናብ ፖሊስ ጥርዓን ኣይግበረሎምን እዩ። ገበነኛታት ካብ መሸጣ ሓሽሽ ንላዕሊ
ብምጭብርባር ዝያዳ ገንዘብ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ፖሊስ ይገልጽ’ለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com