Sunday , May 12 2024
Credit: Oscar Olsson/TT, Mickan Palmqvist/TT

ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ክቃጸል ዝጽውዑ ሕቶታት ይብርክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቅዳሓት ቁርኣን ዝቃጸለሉ ተቓውሞታት ንምክያድ ዝደልዩ ሓያሎ ሕቶታት ከም ዝበጽሖም ፖሊስ ስቶክሆልምገሊጾም። ብዘይካዚ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙርን ከቃጽል ዝደሊ ሰብ ዘእትዎ ናይፍቓድ መመልክቲ ከም ዝበጽሖ ፖሊስ ስቶክሆልም ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝርከቡ ፖሊስ፡ ተመሳስሊ ክልተ ሕቶበጺሕዎም ኣሎ። እቲ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቅጻል ዝሓትት ፥ እቲ ሓደ ድማ ንቁርኣን ዝምልከት እዩ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብዓርቢ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኦሪት ከቃጽል ሓቲታ ዝነበረት ጓልነቲ ተግባር ካብ ምፍጻም ምቚጣባ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com