Monday , May 13 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ብሰንኪ ምስንባት ሰራሕተኛታት፥ ክፍሊት ሓገዝ ህጻናት ይደናጐ።


ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን፥ ገንዘብ ንምቑጣብ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ናይ ፈተነ ግዜ ዝነበሩ ኣስታት 450
ሰራሕተኛታት ኣሰናቢቱ። ይኹን’ምበር እዚ ኲነታት፥ ነቶም ምስ ንጽል ወላዲኦም ዝዓብዩን ካብቲ ክልኣይ ወላዲኦም ሓገዝ
ንዘይረኽቡን ህጻናት ዝወሃብ ክፍሊት ደገፍ፥ ንኽናዋሕ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ፡፡ ኣንደርስ ኤክዳል-ኦልሰን፡ ናብቲ ክፍሊ ዘእተዎ
መመልከቲ ውሳነ ኽወሃቦ ዳርጋ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ከም ዝተጸበየ ይዛረብ። ብምኽንያት እዚ ምድንጓይ፥ ካብ ሕሳብ ባንኩ
እናውጽአ ክጥቀም ከም እተገደደ፥ ወሲኹ ይገልጽ። ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዞም፥ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ዘእተዉዎ ሕቶ መልሲ
ክወሃቦም ይጽበይ ምንባሮም፥ ኣብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን ሓላፊት ክፍሊ፥ ኣሌክስንድራ ቫሊን ትገልጽ። ኣብ ጽድያ
መስመራት ተሌፎን እቲ ኤጀንሲ ንሓጺር እዋን ክፉታት ኮይነን ክጸንሓ እየን ክትብል ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።

Credit: Johan Nilsson/TT


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com