Friday , May 10 2024

ዜና

ቼክ ሪፓብሊክ ካብ ሽወደን 22 ቢልዮን ዝዋግኡ ተሽከርከርቲ ኲናት ክትሽምት እያ።

መንግስቲ ቼክ ሪፓብሊክ ካብ ሽወደናዊ መፍረ ኣጽዋር “ቢኤኢ ሲስተምስ ሃግሉንድስ” 240 CV90 ዝዓይነተን ናይ ኲናት ተሽከርከርቲ ክትሽምት ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ሸመተ ኣጽዋር ክሳብ 22 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሕ ኮይኑ፥ መለዋወጢ ኣቕሑን ስልጠናን እዋን ዘጠቓልል እዩ። እዚ መሸጣ “ቢኤኢ ሲስተምስ ሃግሉንድስ” ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየዶም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ፥ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኲባንያ ቶሚ ጉስታቭሰን-ራስክ ገሊጹ’ሎ። “ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብዚ ትካል CV90 ዝዓይነተን …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -26-05-2023

Read More »

ሩስያ ሓሙሽተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ክትሰጒግ ምዃና ገሊጻ።

ሩስያ ሓሙሽተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ክትሰጒግ ምዃና ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ። ሰብመዚ ሩስያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ ኣብ ከተማ ሴይንት ፒተስበርግ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ካብ ዝመጽእ መስከረም ኣትሒዙ ክዕጾ እዩ። ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ምስጓጓ “ተጻባኢ” ስጒምቲ ምንባሩ ሩስያ ገሊጻ’ላ። እዚ ምስጓጒ ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሽወደን እተፈጸመ ምስጓጒ ሓሙሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ይካየድ ምህላዉ፥ …

Read More »

ፐይማን ኪያ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ስቭያ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ብ ከቢድ ወንጀል ስለያ ተኸሲሱ ጒዳዩ ክረአ ዝጸንሐ ፐይማን ኪያ ንሕልፈት ማእሰርቲ ፈሪዱ። ተፈራዲ ኣብ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን “ሳፖ” ተቖጺሩ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 90 ዝኸውን ስኑድ ሚስጥራት ሽወደን ምእካቡ ገሊጹ’ሎ። ቤት ፍርዲ እኹል መርትዖታት ድሕሪ ምቕራብ ፥ ተኸሳሲ ንገንዘብ ክብል ስኑድ ሚስጥራዊ ሓበሬታታት ናብ ትካል ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ–GIU– ከቐብል ብምጽንሑ፥ ንዕድመ-ልክዕ …

Read More »

ዕጸፋርስ ብመርፍእ ናይ መውሰዲ ቦታታት ምቛም ዝብል ሓሳብ ዳግመ ግምት ክግበረሉ እዩ።

ወልፊ ዕጸፋርስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ክትትል ስታፍ ክንክን ጥዕና ዝግልገሉሎም፥ ብመርፍእ ናይ መውሰዲ ቦታታት ብሰንኪ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝውሰድ ዕጽፋርስ ክበጽሕ ዝኽእል ሓደጋ ሞት ኣብ ምንካይ ርኡይ ለውጢ ከም ዘርኣዩ ተገሊጹ። ሃገራት ጀርመን፡ ኖርወይ፡ ደንማርክን ከምዚ ዝበለ መደብራት ክህልወን እንከሎ፥ ኣብ ሽወደን ግና ዋላኳ ብብርክት ዝበሉ ትካላት ጻውዒት ክግበር እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ከይተሃንጸ እዩ ጸኒሑ። ሽወደን ብተዛማዲ ልዑል ምስ …

Read More »

ተመሃሮ ኣብ ሳየንስ፥ ቴክኖሎጂ፥ ምህንድስናን ሕሳብን ክነፍዑ ከም ዝግባእ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ሽወደን ብ ዓለም ደረጃ ተወዳዳሪት ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታት ክትስዕር እንተኾይና ተመሃሮ ኣብ ሳየንስ፥ ቴክኖሎጂ፥ ምህንድስናን ሕሳብን ክነፍዑ ከም ዝግባእ “ኮንፈደሬሽን ዋኒናት ሽወደን” ኣተሓሳሲቡ። "ምስ ካልኦት ሃገራት እንክንወዳደር ኣብ ምልከት ሕሳብ፡ ሳየንስን ቴክኖሎጂን ድሕር ኢልና ምህላውና ብኣህጒር ደረጃ እተገብሩ መጽናዕቲታት ዝምስክርዎ እዩ” ክትብል ዳይረክተር ጀነራል እቲ ኮንፈደሬሽን ካሪን ዮንሰን ገሊጻ’ላ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መልበርን ገዲም ተመራማሪ ብርጊድ ፍሪማን፥ ነቲ …

Read More »

ምስ ብረት እተተሓሓዘ ገበን ብምፍጻሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ኮተቴ ብዕጽፍታት ይውስኹ።

ኣብ ቀዳማይ ሲሶ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ 24 ትሕቲ 18 ዝዕድሜኦም ኮተቴ ምስ ብረት እተተሓሓዘ ገበን ብምፍጻሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝነበረ ብተመሳሳሊ ገበን እተፈጸመ ምውዓል ቀይዲ እንክወዳደር፥ ብ ሓሙሽተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ካብ ፖሊስ እተረኽበ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። እዚ ምውሳኽ ን ዞባ ፖሊስ ሰሜን ገዲፍካ ኣብ መላእ ሽወደን ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። ኮተቴ ነቶም ኣብ …

Read More »

ኣብ ብርክት ዝበላ ክፋላት ሽወደን ባርዕ ሓዊ ክኽሰት ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

  ኣብ ስካነ፥ ጉትላንድ፡ ከምኡ’ውን ክፋላት ደቡባዊን ማእከላይን ሽወደን ባርዕ ጫካ ክኽሰት ከም ዝኽእል “ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን” ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ሰሜን ኖርላንድ ኣብ እትርከብ ኢንላንድ’ውን ብርቱዕ ነቕጺ ብምህላዉ፡ ባርዕ ጫካ ክኽሰት ከም ዝኽእል እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ካብ ትማል ሰሉስ ንግሆ ኣትሒዙ፥ ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ሃኒንግ ባርዕ ጫካ ምኽሳቱ፥ እንተኾነ ግና ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ከም ዘእተዉዎ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ዝወሓደ ሜዳታት ምምሕዳር ከተማ ምህላዉ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ቅድሚ 25 ዓመታት ምስ ዝነበረ ብምውድዳር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ዝወሓደ መጻወቲ ቆልዑ ምምሕዳር ከተማ ምህላዉ “ዩኒቨርሲቲ ስነፍልጠት ሕርሻ” ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ኣስታት 10,000 መጻወቲ ሜዳታት ቆልዑ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ምስ ቅድሚ ርብዒ ዘመን ዝነበረ እንክወዳደር፥ ብፍርቂ ዝውሕድ ምዃኑ እዞም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። እዘን ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ሜዳታት ንምዕቃብ ብዙሕ ምስራሕ ከም ዘድልየን፥ እዚ …

Read More »

250 ዓመታት ዝገበረ ሰነድ ኣዋጅ ፕረስ ሽወደን ሽልማት “ዩኔስኮ” ተዋሂቡ።

ኣብ 1766 ዝወጸ ኣዋጅ ፕረስ ሽወደን ብ ዩኔስኮ ሽልማት “ዝኽሪ ዓለምና” ተዋሂቡ። እዚ 250 ዓመታት ዝገበረ ሰነድ ኣዋጅ ፕረስ፡ ኣብ ዓለምና ብዓይነቱ ንፈለማ እዋን ዝወጸ ሰነድ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ መሰል ናጻ ፕረስ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኦፊሴላዊ መዛግብ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎ ዝድንግግ እዩ። እዚ ሰነድ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ መትከላት ቅዋም ሽወደን ጥራይ ዘይኮነ፥ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ሃገራዊ መንነት ሽወደን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com