Monday , May 20 2024

ዜና

ቱርክን ሃንጋሪን ብዝቐልጠፈ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከጽድቓ ኣመሪካ ድፍኢት ትገብር።

ቱርክን ሃንጋሪን፥ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ብዝቐልጠፈ ከጽድቓ ከም ዝግባእ፥ ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣተሓሳሲቡ። ብሊንከን ኣብ ሉልያ ሰሜናዊ ሽወደን፡ ምስ ወከልቲ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጒባኤ “ትራንስ-ኣትላንቲክ” ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝግበሮ ዋዕላ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ። ንሱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ምልእቲ ኣባል ኔቶ ንኽትከውን …

Read More »

40,000 ሰባት ኣብ –“ክሮንፎግደን” ናይ ነዊሕ እዋን ዕዳ ከም ዘለዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 64 ዝዕድሜኦም 40,000 ሰባት ኣብ ኤጀንሲ ሃገራዊ ዕዳ ሽወደን–“ክሮንፎግደን” ዕዳ ከም ዝጸንሖም ተፈሊጡ። ኣስታት ፍርቂ ካብዞም ኣብ ትሕቲ ዕዳ ዘለዉ ሽማግለታት ኣብ “ክሮንፎግደን” ንልዕሊ 20 ዓመታት ተመዝጊቦም ዝጸንሑ ምዃኖም በቲ ኤጀንሲ ዝተገብረ ትንታነ ኣጣሊሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ኤጀንሲ እተመዝገቡ ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምውድዳር ብተመሳሳሊ ቊጽሪ ክዓቢ እንከሎ፥ መጠን ዕዳ ኸኣ ካብ 1 …

Read More »

ባጤራ ሽወደን–ክሮና–ንሕጽር ዝበለ ግዜ ምድኻም ከርኢ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፥ ባጤራ ክሮና ሽወደን ዋግኡ ከንቈልቊል ምጽንሑ፥ ብፍላይ ድማ ምስ ገለ ባጤራታት –ዶላርን ዩሮን እንክወዳደር፥ ብተዛማዲ ድኽም ዝበለ ዋጋ ከም ዘለዎ፥ ኣብ ባንክ ሽወደን ዋና ነዳፊ ስትራቴጂ ካል ሃመር ገሊጹ። ካብ 2023 ቊጠባ ሽወደን፥ ብምኽንያት ምስ ወለድ ዘለዎ ተኣፋፊ ዝምድና፡ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝደኸመ ተባሂሉ ከም እተጸውዐ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተኸስተ ምውዳቕ ባጤራ ክሮና፡ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 31-05-2023

Read More »

ኣብ ማልም ዝኽሰት ዝነበረ ተዂሲን ምፍንጃርን ካብ 40-60 % ምጒዳል ኣርእዩ።

ኣብ 2018 “ኣይትተኲስ” ዝብል ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ድሕሪ ምትእትታዉ፥ ኣብ ማልመ ዝኽሰት ዝነበረ ተዂሲን ምፍንጃርን ካብ 40 – 60 % ምጒዳል ምርኣዩ ተገሊጹ። እዚ ስትራቴጂ ከቢድ ጎነጽ ደው ንምባል ዓሊሙ ኣብ መንጎ ፖሊስ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልእዕት ማሕበራት ምትሕብብር ፈጢሩ እዩ። እዚ ስትራቴጂ ካብ ኣመሪካ ዝተቐድሐ ኮይኑ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ውጽኢታዊ እናኾነ ምምጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ። እንተኾነ ግና ነዚ ምጒዳል …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝርከባ ኲባንያታት፡ ን ድጎማ ምጒዳል ዋጋጸዓት ኤለትሪክ ከመልክታ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን፡ ከባቢታት ኤለትሪክ 3 ን 4 ን ዝርከባ ኣማኢት ኣሽሓት ኲባንያታት፡ ን ድጎማ ምጒዳል ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ከመልክታ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ። ዘይከም ን ኣባይቲ ዝወሃብ ሓገዝ፥ እዘን ኲባንያታት ነዚ ብ ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ዝተዳለወ ገንዘብ ንምርካብ፥ ብንጥፈት መመልከቲ ከእትዋ ከድልየን ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ። 'እዚ ገንዘብ ዓቡዪ መለሳ ክህልዎ እዩ” ክብል ኣብ ቲብሮ እንዳ ሕብስት ዝውንን ፖ ኣንደርሾን ገሊጹ’ሎ። ንሱ …

Read More »

“ጎነጽን ዘርእዩ ሰባት ንምቕጻዕ ዝውዕሉ ኣገባባት ውጽኢታውያን ኣይኮኑን”–ኣቦመንበር ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ፍረድሪክ ሬንፌልት።

ኣብ ግጥም ኲዕሶ እግሪ፥ ጎነጽን ዘየድሊን ጠባይ ንዘርእዩ ሰባት ንምልላይ ዝውዕሉ ኣገባባት ውጽኢታውያን ከም ዘይኮኑ ኣቦመንበር ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ከምኡ’ውን ቀ/ሚኒስተር ነበር ፍረድሪክ ሬይንፌልት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። “ኣብ ስፖርት ኣብ ዝጸናሕኩለን 50 ዓመታት ከምዚ ብተደጋጋሚ ርእየ ኣለኹ” ዝበለ ሬይንፌልት ከምዚ ዝኣመሰለ ጎነጽ እናወሰኸ ምምጽኡ ንብዙሓት ሰባት ይልክም ምህላዉ፥ ኣብ ጥቓኦም ደው ንዝበሉ ሰባት፥ ስድራቤታት፥ ተጻወትቲን ዳኛታትን እውን …

Read More »

“ገለ ተሓከምቲ ኮቪድ ከም ድላዮም ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩ ይጽገሙ ኣለዉ”–ሓደ መጽናዕቲ።

ገለ ሰባት ካብ ሳዕቤናት ረኽሲ SARS-CoV-2 ዝድሕኑ እኳ እንተኾኑ፡ ካልኦት ግና ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ ድሕረ-ሕክምናዊ ሳዕቤናት COVID-19 ከም ዝጸንሑ ተገሊጹ። ሓደ ካብዚ ሳዕቤናት ከኣ ብእትደልዮ መጠን ምንቅስቓስ ኣካላት ክትገብር ዘይምኽኣል እዩ። ገለ ሰባት ካብ ሳዕቤናት ኮቪድ ጨሪሶም ዝሓውዩ፡ ኣብ ገሊኦም ግና እቲ ምልክታት ዝቕጽል ስለምንታይ ምዃኑ ዛጊት ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ። ኣብ መጽሔት “Journal of Infectious Diseases” ዝወጸን ተመራመርቲ ሳን …

Read More »

ኣብ ግጥም ክልተ ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ስቶክሆልም ጎነጽ ተኸሲቱ።

ክልተ ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ስቶክሆልም ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ዝገበራኦ ግጥም፥ ጎነጽ ከም እተኸስተ ተፈሊጡ። ጋንታታት “ኤኣይኬ” ከምኡ’ውን “ዩርጋርደን” ኣብ ዝነበረን ግጥም “ዩርጋርደን” 1 ብ 0 ረቲዓ’ላ። እንተኾነ ግና ደገፍቲ “ኤኣይኬ” ባርዕ ብምስንዳውን ነቲ ሜዳ ብምውራርን ረብሻን ጎነጽን ብምፍጣሮም፥ እቲ ጸወታ ንሓደ ሰዓት ክቋረጽ ተጌሩ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ብዘይካዚ ኣብቲ ጸወታ ተጻወትቲ “ኤኣይኬ” ክልት ቀያሕቲ ካርድ ድሕሪ ምርካቦም ረብሻ ምልዓሎም …

Read More »

“ሽወደን ናብ ኔቶ እትገብሮ ናይ ኣባልነት ሕቶ ዝውስን ዔርዶጋን ኮይኑ’ሎ”–ሓደ ክኢላ።

ረሰብ ጠይብ ዒርዶጋን ኣብ ምርጫ ቱርክ ምዕዋቱ፥ ንሽወደን ዘርብሕ ምዕባለ ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲታት ቱርክ ፖል ለቪን ገሊጹ። ፕረሲደንት ቱርክ ረሰፕ ጠይብ ዔርዶጋን ካልኣይ እብረ ምርጫ ቱርክ ተዓዊቱ’ሎ፥ በዚ ድማ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ። ልፍንቲ ሰልፊታት ዔርዶጋን ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ መንበር ስለዘለዎ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ተዓዊቱ እንተዝነብር፥ ሽወደን ኣባል ኔቶ ኽትከውን ዝብል ሕቶ ናብ ባይቶ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com