Saturday , April 27 2024
Credit: Jonas Ekströmer/TT

ቱርክን ሃንጋሪን ብዝቐልጠፈ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከጽድቓ ኣመሪካ ድፍኢት ትገብር።

ቱርክን ሃንጋሪን፥ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ብዝቐልጠፈ ከጽድቓ ከም ዝግባእ፥ ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ
ብሊንከን ኣተሓሳሲቡ። ብሊንከን ኣብ ሉልያ ሰሜናዊ ሽወደን፡ ምስ ወከልቲ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ኣብ ዝካየድ ዘሎ
ጒባኤ “ትራንስ-ኣትላንቲክ” ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝግበሮ ዋዕላ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ። ንሱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ምሸት ኣብ
ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ምልእቲ ኣባል ኔቶ ንኽትከውን ኣመሪካ ጻዕርታታ ክትቅጽል ምዃና
ኣስሚርሉ’ሎ።
“ሽወደን ብተደጋጋሚ ን ኔቶ፥ ክብርታቱ፡ ተልእኾኡን ኣባላቱን ዘለዋ ተወፋይነት ዘመስከረት፥ ሓያል ዴሞክራሲን፡ ሰራዊትን
እትውንን ሃገር እያ” ዝበለ ብሊንከን “ሽወደን እዚ መስርሕ ተወዲኡ ብምልኣት ኣባል ኔቶ ምስ ኮነት፥ ኔቶ ዝሓየለ ክኸውን እዩ”

ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ሽወደን ካብዚ ንላዕሊ ንኣባልነት ደገ እትጸንዓሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን ኢሉ’ሎ
ብሊንከን።
ኣብ ዝመጽእ ሓምለ 31–ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ጒባኤአን ንምቅናዕ ኣብ ርእሰ ከተማ
ልትዌንያ–ቪልንዬስ–ክራኸባ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com