Monday , May 20 2024

ዜና

ኣብ ቅነ ፖለቲካ ሽወደን፡ ሰልፊ ዴሞክራትና ኣብ ጒዳይ ገበንን ኢሚግሬሽንን ኣተኲሮ ይገብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ቅነ ፖለቲካ ሽወደን (Järva)፥ ተረኛታት ዝነበሩ ሰልፊ ደሞክራትናን ሓምላይ ሰልፊን ንህዝቢ መደረ ኣስሚዖም። ኣብ መደረኡ ኣፈኛ ሓምላይ ሰልፊ ፐር ቦሉንድ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝረአ ንዘሎ ዘይምዕሩይነትን ዓሌትነትን ኣተኲሮ ሂቡ’ሎ። ወለዲ ዘለዎም ገንዘብ ብምውድኦም ብጥሙዮም ዝድቅሱ ቆልዑ ይፍጠሩ ምህላዎም፥ ምስ ምስፍሕፋሕ ገበን ከኣ ስእነት ውሕስነት እናገደደ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ። እዚ ንምቅላል እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ መግቢ …

Read More »

ብጸዓት ኤለትሪክ ንዝካየድ በረራ ቲኬታት ይሕዛእ።

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘካይዶ ናይ ኤለትሪክ በረራ ቲኬታት ክሓዝእ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ በረራ ኣብ ሽወደን፡ ደንማርክን ኖርወይን ኣብ 2028 እዩ ክካየድ። ብርክት ዝበላ ሃገራት ብ ጸዓት ኤለትሪክ ዝዓያ ነፈርቲ ንምፍራይ ኣብ መስርሕ ምህላወንን ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ዕላማኡ ድማ በካሊ ጋዝ ናብ ከባቢ ኣየር ዘይፍኑ በረራ ንምስላጥ እዩ። 'ኣብዚ ናይ 2028 ፈለማይ በረራ፥ ሰለስተ መገሻታት ክህልዉና እዮም። ነፍሲ ወከፎም …

Read More »

ሃገራት “Brics” ካብ ዕብለላ ሃገራት ምዕራብ ሓራ ዝወጸ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ስርርዕ ክግበር ጸዊዐን።

ኣኼባ መራሕቲ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ጒጅለ ሃገራት “Brics”፥ ኣብ ሳውዝ ኣፍሪካ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባኡ፥ ካብ ዕብለላ ሃገራት ምዕራብ ሓራ ዝወጸ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ስርርዕ ክግበር ጸዊዑ። ዕላማን ራእይን እዚ ምትእኽኻብ፥ ኣብዛ ብ ጂኦፖለቲካዊ ውጥረት፥ ዘይምዕሩይነትን፡ ስእነት ድሕነትን ተኸፋፊላ ዘላ ዓለምና፥ ሓደ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምፍጣር እዩ ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሳውዝ ኣፍሪካ ነለዲ ፓንዶር ገሊጻ’ላ። ብሪክስ ብ ሃገራት ብራዚል፥ ሩስያ፥ ህንዲ፥ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -02-06-2023

Read More »

ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ን ፍልማዊ ጸብጻቡ ከሊስዎ ።

ስታቲስቲክስ ፊንላንድ፥ ኣብ ፍልማዊ ርብዒ ዓመት ዘመዝገቦ ቊጠባዊ ዕቤት ኣመልኪቱ ዘውጻኦ ግምት ምኽላሱ ገሊጹ። እቲ ስታቲስቲክስ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ዳታ፥ ኣብዚ ርብዓዊ ዓመት ምስቲ ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ዝነበረ እንክወዳደር ጃምላዊ እቶት ፊንላንድ ናይ 0.2% ዕቤት ከም ዘርኣየ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዳታ፥ ወፍሪ ብ ርኡይ መጠን ክጎድል እንከሎ፥ መጠን ሰደድን ብሕታዊ ሸመታን እውን ምስ ናይ ሕሉፍ ርብዓዊ ዓመት ብምውድዳር፥ ምንም …

Read More »

ቅነ ፖለቲካ ዣርቫ፥ ኣብ ሰሚናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ይሳለጥ ኣሎ።

ብመራሕቲ ሰልፊ ፖለቲካ፡ ኲባንያታትን ውድባትን ኣኼባን መደረን ዝግበረሉ ቅነ ፖለቲካ ዣርቫ፥ ኣብ ሰሚናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ይሳለጥ ኣሎ። ዝሓለፈ ረቡዕ መራሕቲ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ከምኡውን ሊበራል ዝኾኑ ማግዳሌና ኣንደርሾንን ዮሃን ፐርሾንን ኣብዚ ቅነ ፈለምቲ መደረ ዘስምዑ ፖለቲከኛታት ኮይኖም ኣለዉ። ኣንደርሾን ን ቊጠባዊ ኣካይዳ መንግስቲ ክትትነቅፍ እንከላ፥ ሚኒስተር ትምህርቲ ፐርሾን ከኣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሽቕለትን ምውህሃድን መደረ ኣስሚዑ’ሎ። ኣብዚ ዓመታዊ ዝቃናዕ መኽፈቲ ፈስቲቫል …

Read More »

ገለ መንግስታት፥ ዴሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ንምዕፋን ኣገልግሎት ኢንተርነት ይዓጽዉ።

ኣብ ዓለምና እናሳዕረረ ምስ ዝመጽእ ዘሎ ምንቊልቋል ስርዓተ ዴሞክራሲ፥ መንግስታት ኣገልግሎት ኢንተርነት ክዓጽዉ ምርኣይ ኣዝዩ ንቡር ሽግር እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ። መንግስታት ክመጾም ዝኽእል ተቓውሞ ንምውጋድ ንህዝቢ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ይዓጽዉ’ለዉ። “ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ እንገብረሉ እዋን፥ ህዝቢ ንሓድሕዱ ከይራኸብን እቲ ሰልፊ ብቪድዮ ተቐዲሑ ናብ ኢንተርነት ከይባዛሕን ብምባል፥ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከም ዝዕጾ ይግበር” ክትብል ኢራናዊት ኣክቲቪስት፥ ከምኡ’ውን …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 02-06-2023

Read More »

ሽወደን፥ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ግብረ-ሽበራ ተግባራዊ ኮይኑ።

ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ግብረሽበራ ሽወደን ተግባራዊ ክኸውን ምጅማሩ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፥ ግብረ-ሽበራውያን ተባሂሎም ንእተመደቡ ውድባት ኣኼባታት ምስራዕ፡ ሎጂስቲካዊ ይኹን ፋይናንሳዊ ሓገዛት ምሃብ፡ ቆልዑ ተሳተፍቲ ምንባይ ይዂን ንኸምዚ ዓይነት ምትእኽኻባት መግቢ ምድላው ኲሎም ብሕጊ ዘሕትቱ ተግባራት ክኾኑ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክሳተፍ እተረኽበ ሰብ ከከም ክብደት እቲ ገበን፥ ካብ ክልተ ዓመት ክሳብ ንሕልፈት ማእሰርቲ ክፍረድ ተኽእሎ ክህሉ እዩ። እዚ ካብ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ን ቆልዑ መኣዲ ዝቕርባ ምምሕዳራት ከተማ ብክብሪ ዋጋ ኣስቤዛ ይሽገራ።

ብ 30% ዝወሰኸ ዋጋ መግቢ ንምምዳራት ከተማ ዓብዪ ብድሆ ይኸውን ምህላዉ ተገሊጹ። ብፍላይ ድማ መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ንኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብ ዓብዪ ማሕነቖ ኮይንወን ኣሎ። ዋጋታት መግቢ ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ዝዳህሰሰ “ሃገራዊ ኤጀንሲ ሽወደን ንጒዳያት ትምህርቲ” ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ዳህሳሱ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ነቲ ገሊኡ ካብ ዓሚ ኣትሒዙ ካብ 15-30% ዝወሰኸ ዋጋ ኣስቤዛ ሽግር ፈጢሩለን ምህላዉ ኣመልኪቱ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com