Friday , April 26 2024

ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ን ፍልማዊ ጸብጻቡ ከሊስዎ ።

ስታቲስቲክስ ፊንላንድ፥ ኣብ ፍልማዊ ርብዒ ዓመት ዘመዝገቦ ቊጠባዊ ዕቤት ኣመልኪቱ ዘውጻኦ ግምት ምኽላሱ ገሊጹ። እቲ
ስታቲስቲክስ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ዳታ፥ ኣብዚ ርብዓዊ ዓመት ምስቲ ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ዝነበረ እንክወዳደር ጃምላዊ እቶት
ፊንላንድ ናይ 0.2% ዕቤት ከም ዘርኣየ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዳታ፥ ወፍሪ ብ ርኡይ መጠን ክጎድል እንከሎ፥ መጠን ሰደድን
ብሕታዊ ሸመታን እውን ምስ ናይ ሕሉፍ ርብዓዊ ዓመት ብምውድዳር፥ ምንም ወሰኽ ከም ዘየርኣየ ኣመልኪቱ። እዚ ኣፈናዊ
ዳታ፥ ካብ ኢንዱስትሪታት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ፍርያት፥ ዕቤት ሰደድ፥ ወፍሪን ካልኦት መዐየሪታትን እተዳለወ እዩ ክብል፥ ኣብ
ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ነባር ክኢላ ስነ-ቚጠባ ሳሙ ሃካሉ ትማል ረቡዕ ን “ሄልሲንኪ ታይምስ” ሓቢሩ። ኣብ “ቤት ምኽሪ ንግድ
ፊንላንድ” ዋና ክኢላ ስነ-ቚጠባ ጁካ ኣፕፕልቪስት ብወገኑ፥ እዚ ክለሳ ዝተገብረሉ ዳታ ካብቲ ፈለማ እተዳለወ ዝያዳ ተኣማኒ
ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com