Monday , May 20 2024

ዜና

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 16-06-2023

Read More »

ኣባላት ሓለዋ መዓርፎ ነፈርቲ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።

ማሕበር ስራሕተኛታት መጓዓዝያ ሽወደን፥ ካብ ሰነ 28 ንደሓር ብዝተፈላለየ ደረጃታት ኣድማ ከካይድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ብቐዳማይ ደረጃ፥ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ምቚጻር ከምኡ’ውን “ኦቨርታይም” ምስራሕ ብምእባይ፥ ክሳብ 3 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ ኸኣ ኣባላቱ ቅሉዕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ኣተሓሳሲቡ። ከም ኣካል እዚ ኣድማ፡ ሓለዋ ድሕነት መዓርፎ ነፈርቲ ብሮማን ላንቪተርን ስዒቡ ድማ ናይ ሪንሃል ትካል ኑክሌር ካብ ቦትኦም ከም ዝለዓሉ ክግበሩ …

Read More »

ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ሕጂ’ውን ኣብያ ቱርክ ይዓግት።

ላዕለዎት ስብመዚ ሽወደን ቱርክን ኔቶን፥ ብዛዕባ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምዝርራብ፥ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኣንካራ ተራኺቦም። ሽወደን ቅድሚ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ክካየድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ዋዕላ ኔቶ–ቪኒሊስ– ኣባል ኔቶ ክትከውን ትጽቢት ክትገብር ከም ዘይብላ፥ ፕረሲደንት ቱርክ ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን፥ ቅድሚ ምጅማር ኣኼባ ገሊጹ’ሎ። ንሱ፥ ን መዓከናት ዜና ቱርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ “ሽወደን ዘድሊ ጽገናታት ክሳብ ዘይገበረት፥ ኔቶ ንኣባልነታ …

Read More »

ኣብ ክንክን ጥዕና ሽወደን ዘሎ መስርዕ ሪጋ እናነውሐ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ኣብ ክንክን ጥዕና ሽወደን ዘሎ መስርዕ ሪጋ ንምሕጻር፥ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተፈላለየ ጻዕርታት እኳ እንተተገብረ፡ ብኣንጻሩ እቲ መስርዕ እናነውሐ ምምጽኡ “ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት” ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ 2010፥ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ተሓከምቲ ዘድልዮም ክንክን ክረኽቡ ውሕስነት ዝህብ ኣገባብ ብክፍሊ ክንክን ጥዕና ተኣታትዩ ምንባሩ፥ እንተኾነ ግና ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ተሓከምቲ ካብዚ ዝተወሰነ መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባዮም እቲ ጸብጻብ …

Read More »

ሓደ ካብ ዕሉላት ቀተልቲ ሽወደን ኣብ 2026 ክፍታሕ እዩ ተባሂሉ።

ሓደ ካብ ዕሉላት ቀተልቲ ሽወደን ፍርዲ ማእሰርቲ ናብ 41 ዓመታት ከም እተለወጠ ተፈሊጡ። ብመስረት ትማሊ ብ ወረዳ ኡረቦ እተዋህበ ውሳነ ገበነኛ ቅትለት ጃኪ ኣርክሎቭ፡ ኣብ 2026 ክልተ ሲሶ ማእሰርቱ ወዲኡ ክፍታሕ እዩ። ኣርክሎቭ ኣብ 1999 ኣብ ማሌክሳንደር (ኦስተርጎትላንድ) ክልተ ሰብመዚ ፖሊስ ብምቕታሉ፥ ናይ ዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ከም እተፈረደ ዝዝከር እዩ።

Read More »

ያታዊ ሙዚቃ ሽወደን ኣብ ስግር ባሕሪ እናተውፈትወ ይመጽእ።

ያታዊ ሙዚቃ ክመሃሩ ዝደልዩ ሽወደናውያን ብቚጽሪ እናወሓዱ ምምጽኦም፥ ካብ ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብ 2022 ዝተረኸቡ ኣሃዛት ምስ ናይ 2019 እንክወዳደሩ፥ እዚ ቊጽሪ ርኡይ ምንቊልቋል ኣርእዩ’ሎ። እዚ እናኾነ፥ ያታዊ ሙዚቃ ሽወደን ኣብ ፊልምታትን ናይ ጌይም ጸወታትን ስግር ባሕሪ እናተፈትወ ምምጽኡ፥ ዳይረክተር ትካል ኤሪክ ሳልስትሮም ዝኾነ ማግኑስ ሆልስትሮም ገሊጹ’ሎ። ኣብ ሽወደን ነዞም ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ምምላኽ ዝነበረ ተገዳስነት እናጎደለ እኳ …

Read More »

መጠን ዝቕባበ ሸወደን ናብ 6.7 % የንቈልቊል።

  መጠን ዝቕባበ ሸወደን ምንቊልቋል ምቕጻሉ ስታቲስቲክስ ሽወደን ገሊጹ። እዚ ኣሃዛት “ዋጋ ጸዓት ዘጠቓልል ውሱን መጠን ወለድ ዘለዎ ሓባሪ ዋጋ ሸመትቲ” ብምግባር ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ግንቦት ዝነበረ መጠን ወለድ 6.7% እዩ ኔሩ። እዚ ምስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ መጠን ዝቕባበ (7.6%) እንክወዳደር፥ ርኡይ ምጒዳል ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ኣብ ባይቶ ኣብ እተገብረ ክትዕ መራሕቲ ሰልፊታት ጒዳይ ጸዓት ቀንዲ ዛዕባ ምንባሩ ተገሊጹ ።

ቅድሚ ዕረፍቲ ወቕቲ “ሳመር”፥ ኣብ ባይቶ ዝግበር ክትዕ መራሕቲ ሰልፊ፥ ብርክት ዝበሉ ጒዳያት ከም እተላዕልሉ ተገሊጹ። ብፍላይ ድማ፥ ኣብ ጒዳይ ፖሊሲ ጸዓትን ዋጋ ከሰልን ርሱን ክትዓት ተጌሩ’ሎ። ከም ኣካል ፖሊሲ ጸዓት፥ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ሽወደን ነቲ “ተሓዳሲ ጸዓት” ዝብል ኣጸዋውዓኡ ብ “ካብ ፎሲል ናጻ ዝኾነ ጸዓት” ክትክኦ፥ መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራሲን ጸዊዖም ኣለዉ። ብፍላይ ድማ ሚኒስተር ቢስነዝ ጸዓትን ኢንዱስትሪን ኤባ ቡሽ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ዝያዳ ብልሽውና ይረአ’ሎ።

ፖሊስ ዓመታዊ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን፡ ኣስታት 20 ምስ ብልሽውና እተኣሳሰሩ መርመራታት ከም ዝካየዱ፡ እንተኾነ ግና እቲ ሽግር ካብዚ ኣጸቢቑ ዝዛይድ ምዃኑ “ኤጀንሲ ህዝባዊ ምምሕዳር ሽወደን” ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ናብ ፖሊስ ጥርዓን ዝግበረሎም ጒዳያት፥ ካብቲ ሓቀኛ መጠን ብልሽውና ዝወሓዱ እዮም ዝበለ ኣብቲ ኤጀንሲ መራሒ ፕሮጀክት ዮሃን ማርክ፥ ኣብቲ ስራሕ ዘለዉ ሰብ-መዚ ንብልሽውና ዝተቓልዑ ምዃኖም ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ኣብ 290 …

Read More »

መርመራ ምፍንጃር ትሕተ-ማያዊ መትረብ ጋዝ (ኖርድ ስትሪም) ይዛዘም ኣሎ።

መርመራ ምፍንጃር ትሕተ-ማያዊ መትረብ ጋዝ (ኖርድ ስትሪም) ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ክዛዘምን እቲ ሓቁ ክፍለጥን እዩ ክብል፡ ዋና ኣኽባር ሕጊ ሽወደን ማትስ ሊንቪስት ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትሕተ ማያዊ መትረባት ጋዝ “ኖርድ ስትሪም 1’ ከምኡ’ውን “ኖርድ ስትሪም 2” ብምኽንያት ምፍንጃር ዕንወት ከም ዝወረዶም ዝፍለጥ እዩ። ተመራመርቲ ሽወደን ምስ ናይ ጀርመን ብምትሕብባር እዮም ነዚ መርመራ ዘካይድዎ ዘለዉ። እዞም መትረባት ጋዝ ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com