Monday , May 20 2024

ዜና

ቅርሕንቲ ብዛዕባ ስደተኛታት፡ ቅድሚ ኣኼባ ኤውሮጳዊ ሕብረት (ኤ.ሕ EU)

EU Bryssel, TT:s korrespondent እቲ ንስደተኛታት ዚምልከት እተፈላለየ ርእይቶታት ነተን ኣባላት ኤ.ሕ ኣብ ምፍሕፋሕ ኣእቲዩወን ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ሳልስቡርግ ዚካየድ ፍሉይ ናይዚ ሰሙንዚ ኣኼባ ገለ መፍትሔ ኪርከብ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ 2015 ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገራት ናብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ሓያሎ ዓበይቲ ምድቡን ፍሉይን ኣኼባታት ኣካዪደን ኣለዋ። ኣብዚ ሰሙንዚ እታ ናይዚ …

Read More »

ብርቱዕ ጸፍዒ ይመጽእ ኣሎ – SMHI የጠንቅቕ

ኩነታት ኣየር TT SMHI ብዛዕባ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኪኽሰት ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ ጸፍዒ፡ ናይ ደረጃ-2 መጠንቀቕታ ሂባ። ከምዚ ዓይነት ጸፍዒ ንህዝቢ ሓደገኛ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ኩሉ ሰብ ኪፈልጥ ይግባእ፡ ትብል ናይ ኩነታት ኣየር ክኢላ ሶፍያ ሶደርበርይ። ካብ ዓርቢ ንግሆ ጀሚሩ ብርቱዕ ንፋስ ኪህሉ እዩ፡ ክሳዕ 25 ከምኡውን 28 ሚተር ኣብ ሓድ ካልኢት ዚሕምበብ ንፋስ ኣማስያኡ ከም ዚመጽ እውን SMHI የጠንቅቕ። …

Read More »

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እተኻየደ ናዕቢ ብውሑዱ 23 ሰባት ሞይቶም

ኢትዮጵያ TT-Reuters ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እትፈጸመ ናዕቢ ብውሑዱ 23 ሰባት ሞይቶም፡ ሓቢሩ ናይ ፖሊስ ማዕከን። እቲ መጥቃዕቲ ናብቶም ኣብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ዚቕመጡ ውሑዳን ወይ ማይኖሪቲ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ገለ ተዓዘብቲ የብርሁ፡ እቲ ዓመጽ ወይ ህውከት ድማ በቶም መንእሰያት ኦሮሞ ከም እተበገሰ ይሕበር። ብመሰረት ናይቲ መንግስታዊ ማዕከን ራድዮ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖረይት፡ ፖሊስ ኢትዮጵያ 200 ምስቲ ግጭት …

Read More »

ሕጹይ ኣባል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ

USATT ብዙሓት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ኣመሪካ ሰነይተርስ ነቲ ናይ ብረት ካቫኖ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ምምራጽ ከናውሕዎ ይጠልቡ ኣለዉ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ ሓንቲ ስማ ዝሃበት ሰበይቲ ኣብቲ ዋሺንተን ፖስት ዚብሃል ጋዜጣ ብጾታዊ ዓመጽ ስለ ዝኸሰሰቶ እዩ። እቲ ኣብ ሓደ በዓል ወይ ፌስታ ተፈጺሙ ዚብሃል ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ 1980ታት ኮይኑ እታ ሰበይቲ ድማ 51 ዝዕድመኣ ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ስነልቦና …

Read More »

ኖርወጃዊ ሰብኣይ ንወዱ ቀቲሉ

ኖርወይ TT-NTB ዓርቢ ምሸት ሓደ 40 ዝዕድመኡ ሰብኣይን ወዲ 13 ዓመት ወዱን ኣብቲ ኣብ ኤልቨሩም ምስራቕ ኖርወይ ዚርከብ መንበሪ ቤቱ ሞይቶም ተረኺቦም። ፖሊስ ኖርወይ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሞም ዝገበሩዎ ምርመራ እቲ ኣቦ ነብሱ ምስ ቀተለ ንወዱ እውን ከም ዝቐተሎ ገሚቶም። ሰሉስ ድማ እቲ ናይ ምርመራ ውጽኢት፡ ክልቲኣቶም ብናይ ጥይት መቝሰልቲ ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ። እቶም ፖላይስ ነቲ መሳርያ ወሲዶም ምስ መርመሩዎ ብስም …

Read More »

ናይ ሕሉፍ የማናዊ AFS ጸሓፊት ሰልፊ ከም ናይ ስደተኛታት ወኪል ኮይና ትሰርሕ  

PolitikTT ናይ ጥሩፍ የማናዊ AFS ጸሓፊት ሰልፊ ዝኾነ ጀሲካ ኦልሶን ከም ናይ ስደተኛታት ሕጋዊ ወኪል ኮይና ትሰርሕ፡ ን27 በይኖም ዝመጹ ስደተኛታት ድማ ወኪላ። ሕጂ ግን ስርሓ ደው ኸተብል እቶም እተነጽጉ 13 ድማ ጉዳዮም ከም ብሓድሽ ኪረአ ተጠሊቡ። ብመሰረት  P4 Sörmland ኣብዚ እዋንዚ ኩላቶም መራሕቲ ጉጅለ ስልፍታት ኒሾፒን ኮሙን፡ ንሚግረሽን ንጀሲካ ኦልሶን ከም ወኪል ስደተኛታት ደው ከብላ ይጠልቡ ኣለዉ። ንሳ ኣብ …

Read More »

ማእከላይ ስታቲስቲክ ቤትጽሕፈት (SCB)፥  6.1 ሚእታዊት ስራሕ-ኣልቦ

ቍጠባ TT ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 337 000 ሰባት ስራሕ-ኣልቦ ነይሮም፡ እዚ ድማ 6.1 ስራሕ ኣልቦነት ከም ዘሎ የርእይ። እዚ ብመሰረት ማእከላይ ስታቲስቲክስ ቤትጽሕፈት (SCB) ነቲ ስራሕ ኣልቦነት ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ 2017 ኪነጻጸር ከሎ ብ 11 000 ሰባት ክብ የብሎ ወይ ድማ ብ 0.1 ሚእታዊት። ዕድል ስራሕ ብ 56000 ሰባት ክብ ብምባል ናብ 5 165 000 ሰባት ክብ ኢሉ። እዚ ድማ …

Read More »

ኣረጋውያን ኣብ ኮምፕዩተር (ዲጂታል) ዓለም የለዉን

TeknikTT ብዘይ ኮምፕዩተር ህይወት የለን? እወ፡ ብሓቂ ንኣረጋውያን እውን ህይወት የለ። ካብ ኮምፕዩተር ምርሓቕ፡ ካብ ማሕበራዊ ናብራ ከም እትርሕቕ ውን ይገብረካ እዩ፡ ይብል ናይ STV ስሞላንድ ጸብጽጻብ። ሊንዳ ረነላንድ ፉሽማን፡ ኣብ ሊነ ዩኒቨርሲቲ ካልማር ናይ ስነ-ህጻናት ኣስተምሃሪት፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ዚኣክል ልዕሊ 65 ዕድመ ዘለዎም ኣረጋውያን ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ዓለም ከመይ ከም ዚነብሩ ተማራሚራ። እቶም ናይ ኮምፕዩተር ዲጂታል ኣሰራርሓ ዘይክተሉ፡ ካብ …

Read More »

ቅልጡፍ ኣገባብ መስርሕ ሚግረሽን

migration TT ቤትጽሕፈት ሚግረሽን ንዕቝባ ሓተታ መስርሕ ልዑል ደረጃ ኣንቢሩ ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ ኪጅመር እዩ። ናይዚ ዕላማ ድማ ነቲ ብውሑዱ ፍርቂ ጉዳይ ካብ ማመልከቻ ክሳዕ ውሳኔ 30 መዓልታት ከም ዚወስድ ንምግባር እዩ። እዚ ኩነታትዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ናይ ስደተኛታት ወጥሪ ነቲ ኩሉ ግዜ ዚውቀስን ብዙሕ ዚጽዕርን ሚግረሽን ልሙድ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ሕጂውን ኣብ ንገንዘብን ሰራሕተኛታትን ብዚምልከት ኣብ …

Read More »

ብናይ ግብረስጋ ተጠርጢሩ እተኸሰሰ ሓኪም

ገበን TT ሓደ ኣብዚ ሃገር ኣብ እተፈላለየ ናይ ሕክምና ሞያነት ከምኡውን ኣብ ናይ ዲጂታል ኣገልግሎት ሕክምና ዚሰርሕ ዝነበረ 29 ዓመት ዝዕድመኡ ሓኪም ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ናይ ስቶክሆልም ወረዳ ቤትፍርዲ ተኸሲሱ ኣሎ። እዚ ሰብዚ ንነዊሕ ግዜ ምስ ህጻናትን ዓበይትን ጾታዊ ገበን ፈጺሙ እዩ። እቲ ገበን ኣብ መንጎ 2015 ከምኡውን 2017 ኪፍጸም ከሎ፡ እቶም ግዳያት ድማ ኩሉኹሎም 52 ህጻናትን 18 ዓበይትን እዮም። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com