Friday , April 26 2024

ቅርሕንቲ ብዛዕባ ስደተኛታት፡ ቅድሚ ኣኼባ ኤውሮጳዊ ሕብረት (ኤ.ሕ EU)

EU Bryssel, TT:s korrespondent

እቲ ንስደተኛታት ዚምልከት እተፈላለየ ርእይቶታት ነተን ኣባላት ኤ.ሕ ኣብ ምፍሕፋሕ ኣእቲዩወን ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ሳልስቡርግ ዚካየድ ፍሉይ ናይዚ ሰሙንዚ ኣኼባ ገለ መፍትሔ ኪርከብ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ 2015 ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገራት ናብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ሓያሎ ዓበይቲ ምድቡን ፍሉይን ኣኼባታት ኣካዪደን ኣለዋ።

ኣብዚ ሰሙንዚ እታ ናይዚ ዓመትዚ ኣቦመንበር ዝኾነት ኣውስትርያ፡ ንሕቶ ስደተኛታትን ንጸጥታን ዚምልከት ኣብ ሳልስቡርግ ዚካየድ ዘይወግዓዊ ኣኼባ ጸዊዓ ኣላ።

ግን ከኣ ኣብ ስምምዕ ዚብጻሕ ኣይመስልን።

ኣብቲ ንዱብሊን ሕጊ ዚምልከት ጉዳይ፡ ምንም ሓባራዊ ስምምዕ ዚርከብ ኣይመስለንን፡ ይብል ናይ ኤ.ሕ ክብ ዝበለ ማዕከን። ከምዚ እተባህለ ድማ ነቲ ብዛዕባ ንደለይቲ ዕቝባ በብኽእለትካ ተማቒልካ ምውሳድ ዚምልከት ጌና ዘይተፈትሐ እማመ ኪገልጽ ከሎ እዩ።

“ክላእ!”

እቲ ዘይምስምማዕ እናዓበየን ናብ ግጭት ዘእቱን ይመስል ኣሎ።

ናይ ጉዳያት ውሽጢ ሃገርን ናይ ሚግረሽን ሚኒስተራትን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ መዳለዊ ዘተ ቪየና ምስ ተራኸቡ፡ እቲ ሃዋህው ጽቡቕ ኣይነበረን።

ማተዮ ሳልቪኒ እተባህለ ናይ ኢጣልያ ውሽጣዊ ጉዳያት ሚኒስተር፡ ሉክሰንቡርግ ካብ ኣፍሪቃ ባራዩ ክትዕድግ እያ እትደሊ ዘላ ብምባል ዘይጥዑም ዘረባ ምስ ኣውሰአ፡ እቲ ናይ ሉክሰምቡርጋዊ ብጻይ ጃን ኣሰልቦርን ብምንጽርጻር መሊሹ፥

ክላእ! (ተጥፍኣያኖኻ!) ኢሉ ብሕርቃን ዘረባ ምስ ደርበየ፡ ሳልቪኒ ድማ ብመገዲ ትዊተር ገይሩ፡ ኣብ ሉክሰምቡርግ ጥዑያት ሚኒስተራት ኣለዉዶ ‘ምበር ብምባል ናይ ሕቶ ምልክት ኣቕሪቡ።

ታስክ የጠንቅቕ

ቅድሚ ናይዚ ሰሙንዚ ርእሰ-ኣኼባ፡ እቲ ናይ ኤ.ሕ መደበኛ ኣቦመንበር፡ ዶናልድ ታስክ፡ ሓድነት ንኺህሉ ይምሕጸን።

“ገሊኦም ነቲ ጸገም ኪፈትሑ ገሊኦም ድማ ኪጥቀሙሉ ዚደልዩ እንተ ኾይኖም፡ እቲ ጸገም መፍትሔ ከይረኸበ ኪቕጽል እዩ። ኣነ ተስፋ እገብር ንሕና ኣብ ሳልስቡርግ ዘሎና ነዚ ናይ ሓድሕድ ምክሳስ ገዲፍና ናብቲ ሃናጺ መገዲ ክንከይድ። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ እቲ ሃናጺ መገዲ እዩ ነቲ ዚድለ መፍትሔ ዝሃበና፥ ኣብዚ ግዜዚ ናብ ኤ.ሕ ዝቐንዐ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብቲ ኣስጋኢ ደረጃ ወሪዱ እዩ።” ይብል ታስክ ኣብቲ ንናይ ሃገራትን መንግስታትን መራሕቲ ዝጸሓፎ ጻውዒት።

ይኹንምበር እቲ ርእሰ-ኣኼባ ኣይኮነን ናብ ገለ መፍትሔ ወይ ሓባራዊ ምርድዳእ ከብጽሕ ዚሕሰብ ዘሎ። መደምደምታ ጽሑፍ ሰነድ ኪቐርብ ኣይክእልን። ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ናይ ገማግም ባሕርን ዶባትን ጸጥታ ንምሕያል ምስ ኣባላት ኤ.ሕ ዘይኮና ሃገራት ብምትሕብባር ሓባራዊ ስምምዕ ዚርከበሉ ባይታ ምድላይ ኣገዳሲ እዩ።

ዶናልድ ታስክ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ ምስሪ ምስ በጽሐ፡ ኣብ መንጎ ኤ.ሕብረትን ናይ ሃገራት ዓረብ ሕብረትን ኣብ መጀመርታ 2019 ርእሰ-ኣኼባ ኪካየድ ተስፋ ገይሩ ኣሎ።

ለ ፐን ተስፋ ይገብር

እቲ ኣብ መንጎ መንግስታትን ዘሎ ንሚግረሽንን ዚምልከት ጫውጫውታ ነቲ ኣብ ጽድያ ዚካየድ ናይ ኤ.ሕ መረጻ ከም ዚብከል ኪገብሮ እዩ። እቲ ስግኣት ዝያዳ ዚውስኽ ድማ በቲ ሓያል ኣንጻር እስልምናን ኤ.ሕን ደው ዝበለ ናይ ፈረንሳ የማናዊ ሰልፊ ማለት ENF እዩ። ከምዚ ዝበለ ሰልፍታት ድማ ኣብዚ ዓመትዚ ዛጊት ኣብ ኢጣልያንን ኣውስትርያን እግሪ ተኺሉ ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ስለፊ ENF (ቀደም ሃገራዊ ግንባር ዝበሃል ዝነበረ) በቲ መራሒኡ ለ ፐን ገይሩ ነቲ ምርጫ ከም ብድሆ ምትሕግጋዝ ምስ ኤ.ሕ ገይሩ ኪቃለስ እዩ።

እቲ ናይ ኤውሮጳውያን ዓቢ ኵናት ንኹሉ ኪልውጦ ይኽእል እዩ። እቲ ኣንጻር ኤ.ሕ ዚካየድ ናይ ሃገራት ቃልሲ፡ ናይ ናጽነት ቃልሲ ከም ዝኾነ ለ ፐን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ ፍረዩስ ዝገበሮ ምርጫዊ መደረ ኣረጋጊጹ።

Wiktor Nummelin/TT

ሓቅታት፥ ናይዚ ሰሙንዚ ናይ ሳልስቡርግ ኣኼባ

TT

ናይ ኤ.ሕ ሃገራትን መንግስታትን መራሕቲ፡ ሮቡዕን ሓሙስን ኣብቲ ኣብ ሳልስቡርግ ኣውስትርያ እተኻየደ ዘይወግዓዊ ርእሰ-ኣኼባ ተኣኪቦም ነይሮም።

እቲ ኣኼባ ሮቡዕ ምሸት ብግብጃ ድራር ምስ ተጀመረ እቶም መራሕቲ ሃገር ንሚግረሽንን ነቲ ምቕናስ ስደተኛታትን ምስተን ኣባላት ኤ.ሕ ዘይኮና ሃገራት ሓቢርካ ምስራሕን ብዚምልከት ኪመያየጡ እዮም። ኣብቲ እዋን ድራር ግብጃ፡ ተሬዛ መይ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ ኩነታት ዝርርብ ምውጻእ ካብ ኤ.ሕ ብዚምልከት ርእይቶኣ ክትህብ እያ።

ኣብ ናይ ሓሙስ ናይ ድራር ግብጃ ን’ውሽጣዊ ጸጥታ’ ንዚምልከት ጉዳይ ትዅረት ኪወሃቦ እዩ፡ ከምኡውን ምውሳኽ ፖሊሳውን ሕጋውን ምትሕባርን ናይ ዶባት ምክልኻል ምድልዳልን። ብተወሳኺ፡ ተረዛ መይ ብዛዕባ ኣብ ሳሊስበሪ ነቲ ናይ ሩስያ ሰላዪ ነበር፡ ሰርገይ ስክሪፓል፡ ንምቕታል ዝተገብረ ፈተነ ዘሎ ምዕባለታት ክትሕብር እያ።

ኣብቲ ናይ መደምደምታ ናይ ምሳሕ ግብጃ እቶም ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ወጸት ዚተርፉ ናይ 27 ሃገራት መራሕቲ ነቲ ጉዳይ ዚምልከት ናይ ብሕቶም ገምጋም ኪህሉዎም እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com