Friday , April 26 2024

ብርቱዕ ጸፍዒ ይመጽእ ኣሎ – SMHI የጠንቅቕ

ኩነታት ኣየር TT

SMHI ብዛዕባ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኪኽሰት ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ ጸፍዒ፡ ናይ ደረጃ-2 መጠንቀቕታ ሂባ።

ከምዚ ዓይነት ጸፍዒ ንህዝቢ ሓደገኛ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ኩሉ ሰብ ኪፈልጥ ይግባእ፡ ትብል ናይ ኩነታት ኣየር ክኢላ ሶፍያ ሶደርበርይ።

ካብ ዓርቢ ንግሆ ጀሚሩ ብርቱዕ ንፋስ ኪህሉ እዩ፡ ክሳዕ 25 ከምኡውን 28 ሚተር ኣብ ሓድ ካልኢት ዚሕምበብ ንፋስ ኣማስያኡ ከም ዚመጽ እውን SMHI የጠንቅቕ።

ኣብ ማእከል ሃገር እውን ጸፍዒ ንኺህሉ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ መጠንቀቕታ ንሃላን፡ ቡሁስለን ከምኡውን ሹሀራድስቢግደን ክሳዕ ደቡባዊ ምዕራብ ቨነርንን ውሽጢ ዳልስላንድን ይጥርንፍ።

ብሓቂ ሓያል ንፋስ

ኣቐዲሙ እውን ኣብ ስካገራክ 15 ሜ.ካልኢት ዚሕምበብ ንፋስ ኣብ ሓሙስ ስለ ዚህሉ ናይ ደረጃ-2 መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ። ካብ ዓርቢ ኣጋምሸት ንደሓር ግን፡ ብመሰረት ምርመራ ኩነታት ኣየር፡ እቲ ንፋስ ካብ 25 ክሳዕ 24-25 ሜ. ካ ኪሕምበብ እዩ።

ዓርቢ ምሸት እናገደደ ዚኸይድ ይመስል፡ ትብል ሶፊያ ሶደርበይ፡ ኣብ ስራሕ ዘላ ክኢላ ኩነታት ኣየር SMHI።

ኣብ መሬት እቲ ንፋስ ናብ ብርቱዕ ጸፍዒ ኪበጽሕ እዩ። እቲ መጠቀቕታ ካብ ዓርቢ ኣጋምሸት ክሳዕ ቀዳም ንግሆ እዩ ዘጠቓልል። ኣብቲ ካብ ደረጃ-2 መጠንቀቕታ እተዋህቦ ቦታ ወጻኢ ዘሎ ከባቢታት እውን ብርቱዕ ንፋስ ኪህሉ እዩ።

ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ኣብቲ ደቡባዊ ምዕራብን ሰሜናዊ ምብራቕን ከባቢ ትሑት ጸቕጢ ኣየር ብምህላዉ እዩ። እቲ ንፋስ ክሳዕ ቀዳም መዓልቲ ኪቕጽል እዩ፡ ትብል ሶፍያ ሶደርበርይ።

ፎልክሳም (Folksam) የጠንቅቕ

ጸፍዕን ንፋስን ንገዛውትን መናፈሻታትን ከዕኑ ተኽእሎ ኣለዎ፡ ስለዚ እቲ ቤትጽፈት ኢንሹራንስ ፎልክሳም ንገዛውትኻ ከመይ ጌርካ ከም እትከላኸለሉ ምኽርታት ይህብ ኣሎ። ኣብ ደገ፡ ኣብ ባልኮኒ፡ ኣቕሑ ኣይትግደፍ፡ ንኹሉ ደጋዊ ተንዲኒ ወይ ዳስ መሳሊ ነገር ድማ ጠቕልሎ። ብዚከኣል መጠን መኻይን ብንፋስ ተወርዊሩ ዚመጽእ ነገራት ከየበላሽወን ኣብ ጋራጅ ይእተዋ።

“እቲ ቀንዲ ምኽሪ ግን ብግዜ ጸፍዒ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘይምውዳቓ እዩ። ነዚ ድማ ምግቢ ብምሓዝን ላምባዲና ከምኡውን መውዓዪ ነገራት ምህላውን ክሳዕቲ ንፋስ ዚሃድእ ድማ ኣብ ገዛኻ ምጽናሕን የጠቓልል” ይብል ኤሪክ ኣርቪድሶን ኣብ ፎልክሳም ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com