Monday , May 20 2024

ዜና

ሓድሽ ኣገባብ ንምሕዋይ ሓደገኛ ድኻም

ጥዕና ኣብ ስራሕ ቦታ ዚርከቡ ጉጅለ ዝርርብ ድኻምን ጭንቀትን ኪቕንሱ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣብቲ ብሊነ ዩኒቨርሲቲ ብሽወደናውያን ኮሙናትን ወረዳን መጽናዕቲ እተመርኮሰ ርኽበት እዩ፡ ይብል ናይ ሽወደን ራድዮ ኤኮት። ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻፈሉ እቶም ኣብ ገምገም ናይ ድኻም ሕማም ዚርከቡ እዮም፡ ንሳቶም ን 10 ሰሙናት ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይኖም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ክልተ ሰዓት ጸገማቶም ተመክሮኦምን ብምንጋርን ነንሓድሕዶም ብምድግጋፍን ተዋሲኦም። እቲ …

Read More »

እቲ ዝኸበረ ጫማ ኣብ ዓለም ኣበይ ከምዝርከብ ትፈልጡዶ?

ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸበረ ጫማ ዋግኡ 17 ሚሊዮን ዶላር ኮይኑ:ብሓደ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ትካል ንምርኢት ቀሪቡ። እቲ ኣብ ከተማ ዱባይ ንምርኢት ዝቀረበ ጫማ  ኣብ ቦርጅ ኣል ዓረብ ዝተባህለ ፍሉጥ ህንጻ ኮይኑ ብወርቂን 14 ካራት ኣልማዝን ከምኡውን 236  ኩቡራት ማዕድናት ዝተሰርሐ ምኻኑ ተፈሊጡ።

Read More »

ወረዳ(kommun) ክኒቭስታ ብመቕጻዕቲ ክእክቦ ዝጸንሐ ገንዘብ ክመልስ ይግደድ። 

ምምሕዳር ወረዳ ክኒቭስታ ካብ ብመቕጻዕቲ  መኪና ደው መበሊ( ፓርኪንግ) ዝኣከቦ ብሚልዮናት ዝቑጸር  ገንዘብ ናብ ተቕጻዕቲ ክመልስ ተገዲዱ። እቲ ምምሕዳር ከምዝሓበሮ፡ ምኽንያት ናይዚ ዉሳነ  ምምሕዳር ክኒቭስታ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት   ንመካይን ደዉ ዝብላሉ ቦታ፥ ዝሕሉን፥ ግቡእ ናይ ምቕጻዕ መሰል ዘሎዎ ኣካል ሓለዋ፥ ከይመደበ ብምጽንሑ፥ ስለዝተረጋገጸ ምኻኑ፡ ክብል ባዓል መዚ መገድታት እቲ ወረዳ፡ ክሪስቶፈር ክቫንስትሮም ንጋዜጣ ንያ ቲድኒንግ ኡፕሳላ ሓቢሩ። እቲ ብጌጋ ክእከብ ጸኒሑ ተባሂሉ ዘሎ ገንዘብ፡ ካብ ዓመተ 2014 ዝሕሰብ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝትመን ገንዘብ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ምምሕዳር ወረዳ ክኒቭስታ ምስ ባዓል መዚ መጓዓዚያ ሽወደን ብምዃን፡ ዋጋ ክሳራ ናይቲ ጌጋ ክንደይ ክኸዉን ከምዝኽእል ንምንጻር፡ ሓባራዊ ምርመራ ጀሚሮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Read More »

ቻይና፥ ካራ ኣብ ክሳድ ኣንቢርካ ዚካየድ ናይ ታሪፍ ኵናት

EkonomiTT-AFP እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ተጀሚሩ ዘሎ ንግዳዊ ኵናት ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ዋሺንግቶን ”ነቲ ካራ ኣብ ክሳድና ኣንቢራ” ተፈራርሃና እናሃለወት፡ ምስ ኣመሪካ ዘተ ምክያድ ኣይተ|ኻእለን ትብል ቻይና። ኣመሪካ ነቲ ናይ 200 ሚልያርድ ናይ ኣቕሑ ቻይና ታሪፍ ድሕሪ ምጅማራ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ፡ እቲ ናይ ቻይና ንግዲ ሚኒስተር ኪዛተ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ። ግን ከኣ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብምክብባር ኪገብራኦ …

Read More »

ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኮሙን ተሰዲዶም

 SVT Nyheter እቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሕጊ ካብ 2016 ጀሚሩ ኪሰርሕ ምስ ጀመረ ኣትሒዙ ኣስታት ሽሕ ሓደስቲ መጻእቲ ናብቲ ናይ ሶርምላንድ ኮሙናት ተላኢኾም፡ ይኹንምበር እተን ኮሙናት ከመይ ጌረን ነቲ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘመሓድራኦ ዚፈላለ ይመስል።  እቶም ኣብ ሃገር ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ከለዉ ግን መንበሪ ቤት ኪረኽቡ ዘይከኣሉ ናብቲ ገዛ ኪረኽበሎም ዚኽእል ኮሙን ተላኢኾም ኣለዉ። ብዝሒ ናይቶም እተላእኩ ሰባት ብመጠን …

Read More »

ጓል 20 ዓመት ኣብ ስሜን ስቶክሆልም ተቐቲላ

ኣልኮምፒስ፡ ሽወደን (Reuters) – ሓንቲ ጓል 20 ኣብ ገዝኣ ኣብ ሺስታ፡ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ብፖሊስ ሞይታ ተረኺባ። ፖሊስ ንሓደ 50 ዝዕድመኡ ሰብኣይ ብጥርጠራ ሒዞምዎ ኣለዉ፡ ይኹንምበር ናይቲ ሓደጋ ኩነታትን ናይቲ ጥርጡር ምስቲ መዋቲ ዘለዎ ርክብን ብዝርዝር ኣይተፈልጠን። ፖሊስ ከም ዚብሉ፡ ንሳቶም ኣብቲ ኣፓርትማ ባእሲ ይካየድ ከም ዘሎ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዚቕመጡ ሰባት ሰሚዖም። ሓደ ካልእ ድማ ኣብቲ ቦታ ሓደ ሰብ ብ”ሕማም …

Read More »

ስቶክሆልም: ቍጽሪ ተዓሚጽና ዚብሉ ሰብኡት ይውስኽ ኣሎ

ኣንስቲ ጥራይ ኣይኮናን ዚዕመጻ ዘለዋ! ብመሰረት ሽወደናዊ ራድዮ ጸብጻብ፡ እቶም ድሕሪ ምዕማጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት ካብቲ እቲ ናይ ከምዚ ጸገማት ዚሕክም ክፍሊ ሆስፒታል ኣብ 2015 ዚኽፈት ጀሚሩ፡ እቲ ቍጽሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። “ምስ ብዙሓት ሰብኡት ኢና ንዘራረብ ዘሎና” ትብል ዶክቶር ሙለር። ” ተዓሚጾም ምዃኖም ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ።” “እቲ ተዓሚጸ ዚብል ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ሕፍረት እዩ ዚስምዖ፡ ሕክምና ንምድላይ ድማ …

Read More »

ግብጺ ንኤ.ሕ (EU)ተወናውና- ግን ብኸመይ መገዲ፡ ንጹር ኣይኮነን

ንፖሊሲታት ስደተኛታት ብዚምልከት ኤ.ሕ (EU)ምስ ግብጺ ብዝያዳ ክትሰርሕ ትደሊ። ይኹንምበር እንታይ ዓይነት ምትሕብባር ከም እተደልየ ንጹር ኣይኮነን። ግብጺ ነቶም ዝስጎጉ ስደተኛታት ወይ ናይ መርከብ ደለይቲ ዕቝባ ክትቅበል ብፍጹም ኣይትደልን እያ። ናይ ኤ.ሕ ቀዋሚ ኣቦመንበር፡ ዶናልድ ታስክ፡ ዝሓለፈ ቀዳመሰንበት ንናይ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ በጺሑዎ ነይሩ፡ ነቲ ርክብ ድማ ኪቕጽሎ ድልየት ኣለዎ። “መንግስቲ ግብጺ ከም ቀዳምነት ኣንጻር ንግዲ ሰባት ተቓሊሱ …

Read More »

ብመገዲ ኮሙን ገይሮም ገዛ ዚረኽቡ ብዙሓት እዮም

BostadTT ኣብዘን ዓሰርተ ዓመታት፡ ቍጽሪ ናይቶም ገዛ ንኽረኽቡ ናይ ኮሙን ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ዕጽፊ ኾይኑ ኣሎ፡ ይብል ኤኮት ስቨርየስ ራድዮ። ኣብ 2008 ካብ 11200 ገዛውቲ ንላዕሊ ብኮሙን ንገዛ ዘይብሎም ተኻርዩ። ኣብዚ ዓመትዚ እቲ ቍጽሪ ናብ ዳርጋ 24000 ደዪቡ። መጀመርታ እቶም ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ጥራይ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፡ ሕጂ ግን እቶም ትሑት እቶት ዘለዎምን ኣራኸብቲ ዚስእኑን ከይተረፉ ሓገዝ ይደልዩ ኣለዉ። ግን …

Read More »

ቅርሕንቲ ብዛዕባ ስደተኛታት፡ ቅድሚ ኣኼባ ኤውሮጳዊ ሕብረት (ኤ.ሕ EU)

EU Bryssel, TT:s korrespondent እቲ ንስደተኛታት ዚምልከት እተፈላለየ ርእይቶታት ነተን ኣባላት ኤ.ሕ ኣብ ምፍሕፋሕ ኣእቲዩወን ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ሳልስቡርግ ዚካየድ ፍሉይ ናይዚ ሰሙንዚ ኣኼባ ገለ መፍትሔ ኪርከብ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ 2015 ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገራት ናብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ሓያሎ ዓበይቲ ምድቡን ፍሉይን ኣኼባታት ኣካዪደን ኣለዋ። ኣብዚ ሰሙንዚ እታ ናይዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com