Monday , April 29 2024

ዜና

ኣብ 2018 ብሰብ መዚ ናብ ሓፋሽ እተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ምውሳኾም ተገሊጹ።

ኣብ 2018 ብሰብ መዚ ናብ ሓፋሽ እተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ብዘይነዓቕ መጠን ምውሳኾም ተገሊጹ። ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ጀሚሩ 53 መልእኽቲታት ዝተሰዱ ክኾኑ እንከለዉ እዚ እቲ ዝለዓለ ቊጽሪ እዩ ተባሂሉ ተመዝጊቡ’ሎ። ገለ ካብዞም ዝተላእኩ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲታት ዝሓለፈ ክረምቲ ምስ ተላባዒ ሓዊ ጫካ ዝተሓሓዙ 20 መልእኽቲታት ይርከብዎም። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓዓመቱ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝኾኑ መልእኽቲ …

Read More »

ኣፈኛ ባይቶ ኣንድርያስ ኖርሊን ምስ ስቴቫን ሉፈን ከሙኡውን ምስ ኡልፍ ከራተርሰን ብዛዕባ ምምስራት ሓድሽ መንግስቲ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዘን ዝስዕባ ዕለታት ኣብ ፈተነ ምቛም መንግስቲ ክፋለን ከበርከታ ትጽቢት ዝግበረለን እየን። ታሕሳስ 28 ከሙኡውን ጥሪ 4 ስቴቫን ሉፈን ከሙኡውን ኣፈኛ ባይቶ ኡልፍ ከራተርሰን ብዛዕባ ውጥን ምቛም መንግስቲ መግለጺ ክህቡ እዮም። ጥሪ 10 ኣፈኛ ባይቶ ምስ ኡልፍን ከራተርሰን ኣብ ህንጻ ባይቶ ሪስክዳግ ክራኸቡ እዮም። ጥሪ 14 ኣብ መንጐ ኣፈኛ ባይቶ ምስ ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ሰፊሕ ዘተ ከካይዱ እዮም። ድሕሪኡ ፕረሲደንት …

Read More »

ብሰንኪ ተክኒካዊ ጌጋ ሓደ ተኣፋፊ ሰነድ ናብ 400 ሰባት ተበቲኑ።

ኣገልግሎት ምቕራብ ኢንተርነት ስቶክሆልም ብዝፈጸሞ ተክኒካዊ ጌጋ ሓደ ውልቃዊ ሰነድ ናብ 400 ሰባት ተበቲኑ። ቆንስል እታ ከተማ ንመርማሪ ሰነድ ብዛዕባ እቲ ጒዳይ ሓቢርዎ’ሎ። ብልክዕ እንታይ እዩ ተፈጺሙ፡ ብኸመይከ ህይወት እቶም ሰባት ክጸሉ ክኢሉ ዝብል መርመራ ጀሚሩ’ሎ። ” ነዚ ድንገት ብኣንክሮ ኢና ንምርምሮ ዘሎና። ምምሕዳር ከተማ ንዝምልከቶም ሰባት ብቴሌፎን ብምርካብ ውልቃዊ ሰነዳቶምን ቃልዕ ምዃኑ ብምንጋር ሓገዝ ዘድልዮም እንተኾይኑ ክተሓባበር እዩ” ብምባል …

Read More »

ቤት ፍርዲ ሽወደን ህጻን ጓል 9 ዓመት ብምግሳሱ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲን ካብ ስዊድን ምስጓጒን ፈሪድዎ::

ኣብ ማልም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሽወደን ሓደ ስብኣይ ን ጓል 9 ዓመት ህጻን ብምግሳሱ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲን ምስጓጒን ፈሪድዎ። ቤትፍርዲ ብተወሳኺ ንግዳይ 17 ሽሕ ክሮነር ካሕሳ ክኸፍል በይንሉ’ሎ። እዚ ዘጋጠመ ሰላሳ ዝዕድሚኡ ስብኣይ ነታ ህጻን ኣታሊሉ ናብ መኻዚኖ ብምእታው ብሓይሊ ድሕሪ ምዕማጹ’ዩ። ኣብ ኣጋ ምሸት እቲ ሰብኣይ ብገዛእ ባዕሉ ኢዱ ናብ ፖሊስ ብምስትላም ገበኑ ተናዚዙ። ኣብ እዋን ምግሳስ ኣውያት …

Read More »

ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዲግሪ ኣብ ሽወደን ወሰኽ ኣርእዩ”ሎ ተባሂሉ።

ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዲግሪ ኣብ ሽወደን ክሳብ 100 ሽሕ ክሮነር ከም ዝሓቱ ተፈሊጡ። ብመሰረት ካብ ቆንስል ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝተረኽበ ኣሃዝ ቊጽሪ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ዩኒቨርሲቲ ወሰኽ ኣርእዩ”ሎ። ኣብ 2018 ሰማንያን ሰለስተን ከምዚ ዝበለ ጒዳይ ተረኺቡ”ሎ። ዓሚ ዝነበረ ቊጽሪ 13 ጥራይ እዩ ኔሩ። እቲ ቆንስል ዝተፈላለዩ ካሎኦት ካብ ወጽእ ሃገር ዝመጹ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐታት ከም ዘቃልዐ ብምግላጽ እዞም …

Read More »

ሓጸርቲ ዜናታት ስፖርት

ጽባሕ ቀዳም ከም መቀጸልታ ቦክሲን ማች ን ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ከራኽበን እዩ። እዘን ክልተ ክልባት መበል 226 ርክበን ክኸዉን ከሎ ሊቨርፑል 78 ግዜ ክትዕወት ከላ ኣርሰናል ብወገና 86 ግዜ ተዓዊታ ዝተረፈ ብማዕረ ተፈላልየን። TT እዘን ብ ክለተ ኾዋኽብቲ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ሸቶ ፕሪመር ሊግ ኣቦመያን ብ 13 ሰላሕ 12 ሸቶታት ኣብ ብምምራሕ ዝርከብ መስመር ምጥቃዕ ቀሊል ጽወታ ከምዘይከውን ብኣግኡ ይግመት። ጀራርድ ፒኬ …

Read More »

ኣብ ኣካዳሚ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ስራሕ” ኣመና ኣሰልካዪ እዩ” ክብል ንጉስ ሽወደን ወቒሱ።

ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታቭ መበል 16 ነቲ ሽልማት ኖቤል ስንጽሑፍ ንምልላይ ኣብ ኣካዳሚ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ስራሕ” ኣመና ኣሰልካዪ እዩ” ክብል ወቒሱዎ። ንሱ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት “ዕላል ምስ ንጉሳዊ ቤተሰብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰናዲ ፊልም ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል “እዚ ኣካዳሚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት ምህላዉ ዘሕዝን እዩ” ክብል ኣማሪርዎ። ከምዚ ዝበለ ድኹም ተግባር ሃስያኡ ንባህሊ ሽወደን ጥራይ …

Read More »

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ዝናብ ክሃርም እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር ።

ትንበያ ኲነታት ኣየር ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ከም ዘመልክቶ ጣቓን ዝናብን ዝበዝሖ ስለዝኸውን ርችት ከይንሪኢ ንኽእል ኢና ክብል ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ገሊጹ። እዚ ትጽቢት ናብታ መዓልቲ ሓዳስ ዓመት እናቐረብና ምስ እንመጽእ ዝያዳ እናነጸረ ከም ዝመጽእ ምናልባትውን ክቕየር ከም ዝኽእል እቲ ትካል ተዛሪቡሎ። ኣብ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ዝናብ ክሃርም እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ከም ዝግበር እንተኾነ ክሳብ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ከርክብ ድዩ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ሆሊስበሪ ብጥይት ዝወቕዖ ሰብ ሰባት ክቐትል ሃቂኑ ምንባሩ ገሊጾም!

ክሱስ ንብዙሓት ኣብ ጎደና ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ብስሕለት ክቐትል ምህቃኑ ተፈሊጡ። ፖሊስ ሽወደን እቲ ትማል ምሸት ኣብ ሆሊስበሪ ብጥይት ዝወቕዖ ሰብ ብዙሓት ሰባት ክቐትል ሃቂኑ ምንባሩ ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ኣብ መርበቦም ኣብ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ እዚ ሰብኣይ ምስኣ ርክብ ከም ዝነበሮን ሰባት ብስሕለት ክሃርም ይሓስብ ከም ዘሎን ከም ዝነገራ ኣረጋጊጾም። ፖሊስ ሰሉስ መዓልቲ ነቲ ሰብኣይ ጥቓ መደበር ሆልስበሪ እግሩ ድሕሪ …

Read More »

ብሰንኪ ዘይመኸኸ በረድ ሓደጋታት መካይን ስዒቡ!

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ልደት ብሰንኪ ዘይመኸኸ በረድ ዘስዓቦ ምንሽርታት መካይን ሓደጋታት መካይን ስዒቡ። ኣብ ምዕራብ ኒብሮ ጐደና 25 ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ግሊ መኪና ምስ ናይ ጽዕነት መኪና ብምግጫዋ ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። እዚ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሓደ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ቫስተርኖርላንድ ትሽዓተ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ከም ዘጋጠሙን እዚ ድማ ብሰንኪ ምስ እንስሳታት ገዳም ምልታምን ዘይመኸኸ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com