Wednesday , May 15 2024

ዜና

ኣብ ቫርበሪ ናይ ጒጅለ መንበሪ ንምርካብ ዝወሰደ ግዜ ካሕሳ ክኽፈሎ ይሕተት።

ኣብ ቫርበሪ እትርከብ ሰበይቲ ኣብ ጥሪ 2017 ናይ ጒጅለ መንበሪ እኳ እንተቐረበላ ዘይምቕባላ ተገሊጹ። መርማሪ ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክንን ምምሕዳር ከተማ ቫርበርግ በቲ ዝተፈጥረ ምድንጓይ ናይ 1.2 ሚልዮን ክሮነር ካሓሳ ክኸፍል ጸዊዑ’ሎ። እታ ሰበይቲ ዛጊት ናይ ሓባር መንበሪ ዘይረኸበትሉ ምኽንያት ክሳብ ሕጂ ምንም ባዶ ቦታ ብዘይምንባሩ ቤተሰባ ክኣ ናብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ከትከይድ ድሌት ስለዘይነበሮም እዩ ተባሂሉ’ሎ። እታ ሰበይቲ ብምኽንያት እቲ …

Read More »

ታሪኻዊ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ።

ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ስታድዬም ጤህራን ክጻወታ እየን። ብመሰረት ኣቦመንበር ፈደሬሽን ኩዕሶ መህዲ ታጅ ጋንታ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ኢራን ኣብ 2020 ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ምስ ሩስያ ክትገጥም እያ። መዓልቲ ጸወታ ዛጊት ኣይተቘጽረን ኣሎ። እንተኾነ ግና ነዚ ጸወታ ክዕዘባ ዝፍቀደለን ደቀንስትዮ ጥራይ ክኾና እየን ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ። ካብ 1979 ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ …

Read More »

ዓሰርተ ክልተ ናይ ውቃጦ ሰብ ሞያ ኣብ ዓለም ቦኽሪ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ሽልማት ክዕደሉ እዮም።

እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ሽወድን ልሙዳት ዝነበሩ ማዕርጋት ተልመዴን ጃርኒማን ከምኡ’ውን ማስተርስ ዲግሪ ዳግማይ ይምለሱ ኣለዉ።  Credit: Ulla Engberg/Sveriges Radio ኣብዚ ዓመትዚ ደርዘናት ናይ ውቃጦ ሰብሞያን ኪኢላ ስንጽባቐ ጽፍሪን ናይ ማስተርስ ማዕርግ ረኺቦም ኣለዉ። ጃንስ ባርግን ሓደ ካብዞም እዚ ማዕርግ ዝተቐበሉ ሰብ ሞያ ውቃጦ እዩ። “እዚ ተራ ሞያ እዩ ኢሉ ዘስተናዕቕ ሕጂ ይምጻእ! ምስክር ወረቐተይ ሒዘለኹ” ክብል እቲ ምስ ኣርባዕተ ርእሱ …

Read More »

ሓደ ቆልዓ ብህያብ ልደት ስለዘይተሓጐሰ ፖሊስ ይጽውዕ።

ወዲ ትሽዓተ ዓመትጀርመናዊ ወለዱ ክህብዎ ብጽሑፍ ዝሓበሮም ህያብ ልደት ብዘይምርካቡ ንፖሊስ ምጥርዑ ተገሊጹ። ፖሊስ ናብቲ ዝተሓበሮም ኣድራሻ ምስ ከዱ ሓደ ቆልዓ ምርካቦም ጋዜጣ ኖርድዌኣት ዘይቱንግ (Nordwest-Zeitung)ገሊጻ’ላ። ቆልዑ ዝደልይዎ ህያብ ምስ ዘይረኽቡ ባህ ከም ዘይብሎም ርዱእ እኳ እንተኾነ ከምዚ ቆልዓ ጌሮም ግብረመልሲ ክህቡ ግና ልሙድ ኣይኮነን። እቶም ፖሊስ ነቲ ቖልዓን ወለዱን ብምትዕራቕ ድባብ ልደት ንምምላስ ጽዒሮም። እቲ ዝተፈጥረ ሽግር ሳንታ ክላውስ …

Read More »

ማንቸስተር ዩናይትድ ትሕደስ ፓል ፖግባ የብረቅርቅ!

ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሞሪኖ ብቕዓታ ወርዱ ሸቶታት ተሓሪሙዋ ብ ናይ ሸቶ ዕዳ ደርጀኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከተንቖልቑል ዝጸንሔት ማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ጹቡቅ ቆሞና ተመልሳ። እንሆ እዛ ጋንታ ምስ እዚ ሓዲሽ ኣሰልጣኒኣ ሶልሻየር ኣብ ውሽጢ ሰልስተ ጸወታታት ደርዘን ሸቶታት ብምምዝጋብ ብትሽዓተ ሾቶታት ጸብለል ትብል። ኣብ ትሕቲ ሞሪኖ ንቡር ክብሪ ስኢኑ ኣደዳ ነቕፌታ ዝኾነ ደሕሪ ምስጛጉ ግን ዳግማይ ተበራቢሩ ዝርከብ ኣከፋፋሊ …

Read More »

ፖሊስ ግብጺ ኣብ ብዝገበሮ ጸጥታዊ ተፍቲሽ ብዙሓት ዕጡቓት ምሟቶም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት እታ ሃገር ገሊጹ።

በዚ ቀዳም መዓልቲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ጂዛን ሰሜን ካይሮን 40 ግብረሽበራውያን ከም እተቐትሉ እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ይገልጽ። እቶም ግብረሽበራውያን ናይ ቱሪስት ቦታታት ቤተክርስትያንን ወተሃደራውያን ትካላትን እዮም ከጥቅዑ ዝደልዩ ኔሮም ተባሂሉ። እዚ መጥቃዕቲ ብዓርቢ ኣብ ኣውቶቡስ ቱሪስት እተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ድሕሪዚ መጥቃዕቲ ዘሎ ኣካል መን እዩ ኣይተፈልጠን እንተኾነ ግና ኣኽረርቲ እስልምና ንቱሪስት ናይ ምጥቃዕ ልምዲ ከም ዝነበሮም …

Read More »

ሓንቲ ነርስ ሰብ ንምድላይ ኣብ መዝገብ ሕሙም እለሻ ብምክያዳ ናብ ቤት ፍርዲ ኒሾፒንግ ቀሪባ ።

ኣብ ሶርምላንድ ሓንቲ ነርስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዌብሳይት-ዕርክነት ናይ እደልየኪ’የ መልእኽቲ ዝሰደደላ ሰብ ንምድላይ ኣብ መዝገብ ሕሙም እለሻ ኣካዪዳ። ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት ብምጥሓስ ሕጊ መዝገብ ኣብ ቤትፍርዲ ወረዳ ኒሾፒንግ ተኸሲሳ ኔራ። መዝገብ ሕሙም ብዘይፍቓድ ሕጊ ምርኣይ ብገበን ዘሕትት እዩ። ሕጂ ኣኽባር ሕጊ እዛ ነርስ ንሰለስተ ዓመት ናይ ፈተነ ግዜ ክብየነላ ሓቲቱ’ሎ ክብል ኤስ ቪ ቲ ኒህተር …

Read More »

ሓድሽ ሕጊ ንስካተቨርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ጸሊም ሽቕለት ንኽድርት ዝሰፍሐ ስልጣን ይህቦ።

እዚ ሕጊ ስካተቨርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ጸሊም ሽቕለት ንኸጒድልን ምትላል ቀረጽን ንኽጠፍእ ከኽእሎ እዩ። ኣብ ትሕቲዚ ሕጊ ኩባንያታትን ኣስራሕቲን ኣብ ክንዲ ክሳብ ሎሚ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጸብጻብ ወርሓዊ ጸብጻባቶም ናብ ስካተቨርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ከቕርቡ እዮም። ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ስቶክሆልም ዘለዋ 320 ሽሕ ኩባንያታት ጥራይ እየን በዚ ሕጊ ክቕየዳ። ሽወደን ኣብ ዝተፈላለያ ጽላታት ዝነጥፋ 1.2 ሚልዮን ኩባንያታት ኣለዋኣ። ኣብዚ ኲባንያ መን …

Read More »

ስማርትፎን መባኸኒ ግዜ ከይከውን የሻቕል።

ብዙሓት ወነንቲ ስማርትፎን ኣብዚ መሳለጥያ ተጸሚዶም ዘሕልፍዎ ግዜ ብዙሕ ከም ዘሻቕሎም ተገሊጹ። ጉግል ከም ዝሓበሮ 70 ሚእታዊት ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣብ ኣጠቓቕማኦም ዝሓሸ ሚዛን ክፈጥር ዝኽእል መማረጺ ዝብህጉ ምዃኖም ኣረጋጊጸ ይብል። ይኹን እምበር እዚ ጉዳይ ንጽላት ቴክ ኣብ ኣሸጋሪ ኲነታት ከውድቖ ይኽእል እዩ። ናይ ብዙሓት ፊልምታትን ቢዝነሳትን መሳዂት ብኡኡ ዝርክበ እናሃለወ ከመይ ኢሉ’ዩ ንዓማዊሉ ካብ ሞባይሎም ከፋትሖም ዝኽእል ዓቢ ግድል ኮይንዎ …

Read More »

ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ነፍሰ ቕትለት ብዕጽፊ ይውስኽ።

ሓድሽ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ነፍሰ ቕትለት ብዕጽፊ ይውስኽ። ኣብ ሓድሽ ዓመት ካብ ካልእ መዓልታት ዝያዳ ብዕጽፎ ነፍሶም ከም ዘጥፍኡ ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ ዝተሓትመ ሃገራዊ ማእከል መጽናዕትን ምክልኻልን ነፍሰቕትለት እዩ ነዚ ዝገለጸ። ደ ካብዞም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ስባስቲያን ሁክቢ እዚ ብብዙሕ ምኽንያታት ክኽሰት ይኽእል እዩ ይብል። ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ማሕበራዊ ግርጭታት ናይ ምውሳኽ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com