Friday , April 26 2024
Johan Strindberg / Bildhuset / TT

ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ነፍሰ ቕትለት ብዕጽፊ ይውስኽ።

ሓድሽ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ነፍሰ ቕትለት ብዕጽፊ ይውስኽ።

ኣብ ሓድሽ ዓመት ካብ ካልእ መዓልታት ዝያዳ ብዕጽፎ ነፍሶም ከም ዘጥፍኡ ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ ዝተሓትመ ሃገራዊ ማእከል መጽናዕትን ምክልኻልን ነፍሰቕትለት እዩ ነዚ ዝገለጸ።

ደ ካብዞም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ስባስቲያን ሁክቢ እዚ ብብዙሕ ምኽንያታት ክኽሰት ይኽእል እዩ ይብል።

ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ማሕበራዊ ግርጭታት ናይ ምውሳኽ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። ብኸፊል እውን ኣብዘን መዓልታት ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሕ ዝበለ መጠን እዩ ዝሃልኽ።

እዚ ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ሓገዝ ናይ ምሕታት ትኽእሎ ኣዝዩ የጒድሎ እዩ ይብል ስባስትያን።

ኣብቲ መጽናዕቲ ተመራመርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ታሕሳስ 15 ክሳብ ጥሪ 15 ኣብ ዘሎ መዓልታት ዝተኸስቱ ነፍሰ ቕትለታት ገምጊሞም።

በዚ ድማ ኣብ መዓልታት ሓድሽ ዓመት ነፍሰ ቕትለት ብዕጽፊ ይውስኽ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም።

ሰብኡት ካብ ደቀንስትዮ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ትኽእሎ ነፍሰቕትለት ከም ዘለዎም ከኣ ተሓቢሩ።

ሓደ ሰብ ነፍሰ ቕትለት ናይ ምግባር ምልክታት እንተ ኣርእዩ ብዛዕቡኡ ኣዛርብዎ።

ጸሓፊ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር ባዶ ነፍሰቕትለት ኣልፍረድ ስኮግበርግ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ምኽሪ ይህብ እዩ።

ሓደ ሰብ ነፍሰ ቕትለት ናይ ምግባር ምልክታት እንተ ኣርእዩ ብዛዕቡኡ ምዝርራብ ኣየፍርህኩም።

ምዝርራብ ነቲ ኲነታት ኣየጋድዶን እዩ፥ እኳ ደኣ ስኽን ኢሉ ዳግም ግምት ክገብረሉ ዝዕድም እዩ ይብል ኣልፍረድ ስኮግበርግ ።

ንፍሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ሓሳብ እንተ ኣልዩካ እቲ ዝሓሸ መንገዲ ንመቕርብካ ወይ ናብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ 112 ጻውዒት ምግባር እዩ ይብል ።

ብዙሓት ክሕግዙኻ ዝደልዩ ሰባት ፈቐዶኡ ኣለዉ። ግና ሰባት ውሕስነት ስለዘይስምዖም ኣብ ጒዳይ መንፈሳዊ ኲነታቶም ምስ ሰባት ብነጻ ክዛረቡ ኣይመርጹን እዮም።

ግና ሂወት ዘድሕን ኣገዳሲ ስጒምቲ ስለዝኾን ብዛዕቡኡ ምስ ሰባት ምዝርራብ ኣየፍርህካ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com