Saturday , April 27 2024
Islam Safwat/TT

ፖሊስ ግብጺ ኣብ ብዝገበሮ ጸጥታዊ ተፍቲሽ ብዙሓት ዕጡቓት ምሟቶም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት እታ ሃገር ገሊጹ።

በዚ ቀዳም መዓልቲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ጂዛን ሰሜን ካይሮን 40 ግብረሽበራውያን ከም እተቐትሉ እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ይገልጽ።

እቶም ግብረሽበራውያን ናይ ቱሪስት ቦታታት ቤተክርስትያንን ወተሃደራውያን ትካላትን እዮም ከጥቅዑ ዝደልዩ ኔሮም ተባሂሉ።

እዚ መጥቃዕቲ ብዓርቢ ኣብ ኣውቶቡስ ቱሪስት እተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ድሕሪዚ መጥቃዕቲ ዘሎ ኣካል መን እዩ ኣይተፈልጠን እንተኾነ ግና ኣኽረርቲ እስልምና ንቱሪስት ናይ ምጥቃዕ ልምዲ ከም ዝነበሮም ይፍለጥ እዩ።

ፖሊስ ኣብተን ናይ ወጋሕታ መጥቃዕቲታ ጂዛ 30 ዕጡቓት ክቐትሉ እንከለዉ እቶም ዓሰርተ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ሲና ኤል ዓርሽ እዮም ተቐቲሎም ክብል እቲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ገሊጹሎ።

ብዘይካዚ ፖሊስ ንቦምብ መስርሒ ዝኸውን ንጥረ ነገርን ብዝሕ ዝበለ ኣጽዋርን ምምራኾም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ግብጺ በጻሕቲ ብብዝሒ ኣብ ዝመለለሱሉ ቅነ ሓድሽ ዓመት ከሙኡውን ኮፕቲክ ክርስትያናት ዝመጽእ 7 ጥሪ ልደት ክብዕሉ ኣብ ዝዳለውሉ ሳምንቲ ጥብቂ ጸጥታዊ ሓለዋ ክህሉ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com