Wednesday , May 15 2024

ዜና

ክልተ ደቀንስይዮን ሓደ ሰብኣይን ብፈተነ ቕትለት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ።

ፖሊስ ኣብ ሞልንዳል ክልተ ደቀንስይዮን ሓደ ሰብኣይን ብፈተነ ቅትለት ኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። እቶም ፖሊስ ሓሙስ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ እዮም ናብቲ ቦታ ምስ ተጸውዑ ሓደ ሰብኣይ ብስሕለት ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ ጸኒሕዎም። ብመሰረት ዌብሳይት ሓበሬታ ፖሊስ ምኽንያት መልዓሊ እቲ እምባጓሮ እንታይ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን። ምናልባት ኣብ ድግስ ዝለዓለ ተራ ዘይምርድዳእ ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ሓበሬታ ኣለዎም። ኣብ ምምጾኦም …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ድሒኖም።

ሓለዋ ገማግም ስፔይን ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት 401 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኑ። ኣፈኛ እቲ በዓልመዚ ከም ዝገለጾ ብሰሉስ 111 ሰባት ብረቡዕ ከኣ 290 ሰባት እዮም ካብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝወጹ ተጌሮም። ስፔይን ንጣልያንን ግሪኽን ብምሕላፍ ዝበዝሑ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዝበጽሑላ ሃገር ኮይና’ላ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጒራዊ ውድብ ስደት ካብ ታሕሳስ 19 ክሳብ ባሕቲ ጥሪ ጥራይ 56 ሽሕ ስደተኛታት …

Read More »

ጸወታ ቦክሲን ማች ብሓያል ጸወታ ማንቸስተር ሲትን ሊቨርፑልን ክዛዘም እዩ!

ሎሚ ምሽት ክለብ ሊቨርፑል ናብ ሜዳ ኢትሓድ ኣቕኒዓ ተካይዶ ጸወታ ኣቓልቦ ቡዙሓት ኣፍቀሪ ስፖርት ስሒቡ ይርከብ። ቻምፒዮን ፕሪመርሊግ ዝሓለፈ ዓመት ማንቸስተር ሲቲ ካብ መራሒት ሊቨርፑል ብ 7 ነጥቢ ተፈንቲታ ብምህላዋ ሓጋል ግጥም ከምዝኸውን ብ መንገዲ ኣሰልጠንተን ዝወሃብ ዘሎ ሙቁራት ናይ ቃላት ኩናት ክንግምት ንኽእል። እሰልጣኒ ማንቸስተር ሲት ዝኾነ ፔፐ ጋርደዮላ ናይ ሎሚ ሊቨርፑል እታ ዝሓየለትን ብሉጻት ተጻወት ዝሓቖፈት ጋንታ እያ …

Read More »

ሶልሻየር ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ታሪኽ የሕድስ !

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ካብ ኣርባዕተ ጸወታታት 12 ሙሉእ ነጥቢ ብምእካብ ንጸወታ ቦክሲን ማች ብሙሉእ ዓወት ብምዝዛም ጉዕዞኣ ትቕጽል። እዚ ዝኾነሉ ትማሊ ምሸት ናብ ኒው ካስትል ተጓዒዛ ሉካኹን ራሽፎልድን ብዘመዝገብወን ሸቶታት 2 ብ 0 ብምዕዋት እዩ። ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ኣብ 1946  ብ ሰር ማት ባስቢ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ማለት ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ኣብ መጀመሪያ ስርሑ ተኻታታሊ 4 ዓወታት ብምምዝጋብ ተመዓራሪዎ …

Read More »

ወልፊ ቁማር ተኽእሎ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝውስኽ ተገሊጹ።

ካብ ሃገረ ሽወደን እተረኽበ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ ወልፊ ቁማር ዘለዎም ሰባት ነፍሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ተኽእሎኦም ካብ ካልኦት ይልዕል። ቊጽሪ ወልፊ ቁማር ዘለዎም ሰባት ድሕሪ ምጅማር ኦንላይን ቁማር ምውሳኹ ይፍለጥ። ነዚ ዝሕግዝ ኦንላይን ዋሕዚ ንዋይ ከኣ ነቲ ጸወታ ቁማር ብናህሪ ከስፋሕፍሕ ጌርዎ ይርከብ። ተሌቪዥን ሽውደን ምስ ቶሚ ስትሮምስተድት ዕላል ጌራ ኔራ። ቶሚ ስትሮምስተድት ንዓመታት ካብ ወልፊ ቁማር ክገላገል ብዙሕ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዋሕዲ ገንዘብ ከም ዘሻቐሎ ይገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝሓለፈ ዓመት 2018 ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምጽባይ ግዜ እኳ እንተጒደለ ብምኽንያት ምጉዳል ባጀትን ዓቕሚ ሰብን ስርሑ ብኣሉታ ይጽሎ ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ 2018 ናይ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ትጽቢት ግዜያት እንተላይ ፍቓድ ስራሕ ትምህርትን ምጥርናፍ ስድራን እናሓጸረ ምምጽኡ ይፍለጥ። እዚ ክፍሊ ኣብ ዘውጾኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ስርሑ ብዕዉት ምስልሳሉ ዛጊት ከኣ ናይ 350 ሽሕ ጒዳያት ምምላሱን ኣፍሊጡ’ሎ። ብተመሳሳሊ …

Read More »

ዴንማርክ ብሓደጋ ባቡር ብዙሓት ሰባት ናይ ሞትን መቚሰልትን ሓደጋ በጺሕዎም።

ሎሚ ኣብ ዴንማርክ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ብዙሓት ክሞቱ እንከለዉ ሽሞንተ ናይ መቚሰልትን ሓደጋ በጺሕዎም ክብለ ኩባንያ መገዲ ባቡር ዴንማርክ ዲኤስቢ ሓቢሩ። ጠንቂ ሓደጋ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ፖሊስ ዴንማርክ ንግዚኡ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ኣለዉ። “ቀንዲ ቀዳምነትና ተጓዓዝቲ ባቡር ስለዝኾኑ ኣብ ድልድል ቢግ ቤልት ተጸሚድና ኣሎና” ኢላ። እቶም ደሓን ዝወጹ ንስድራቤቶም መልእኽቲ ክሰዱ ድማ ተላብያ። ብመሰረት ክፍሊ ፕረስ ዲኤስቢ እታ …

Read More »

ሽወደን ምስተን ቀዳሞት 10 ሕጒሳት ሃገራት ተሰሪዓ።

ጸብጻብ ሓጎስ ፍታሕ ዘላቒ ምዕባለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተባህለ ውድብ ንሽወደን ምስተን ቀዳሞት 10 ሕጒሳት ሃገራት ሰሪዕዋ። ቀዳመይቲ ዝወጸት ፊንላንድ ኮይና ብሩንዲ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ’ላ። እዚ ተርታ ን 156 ሃገራት ከምእኒ ኣታዊ ነፍስወከፍ ዜጋ፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ መዋእል ዕድመ፡ ማሕበራዊ ነጻነት፡ ልግሲን ካብ ብልሽውና ነጻ ምዃንን ዝብሉ ረቛሒታት ብምምርማር እዩ ተዳልዩ። ፊንላንድ ዓሚ ዝነበራ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ብምምሕያሽ ነታ ቀዳመይቲ ዝነበረት …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ስዊድን

ካብ ፈለማ ሰዓታት ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዝበዝሑ ክፋላት ሽወደን ብርቱዕ ማዕበል ከጋጥም ምዃኑ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ስዊድን ኤስ.ኤም.ኤች.ኣይ (SMHI) ንኻልኣይ ግዜኡ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። ሰባት ካብ ዝወድቁ ኣግራብ ክጥንቀቑ ኣድለይቲ ነገራት ኣብ ጓሮ ከይገድፉን ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ብሰንኪ ዝመጽእ ማዕበል ትራፊክ ባቡር ኣዝዩ ክጽሎ ምዃኑ’ውን ተነብዩ”ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ብሰንኪ’ቲ ትማል ኣብ ስቶክሆልም እተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ 100000 ኣባይቲ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ …

Read More »

ኣብ ማልም ናብ መስጊድ ዝዓለመ ተዂሲ ተጌሩ።

ኣብ ማልም ለይቲ ምድሪ ናብ ሓደ መስጊድ ተዂሲ ከም እተገብረ እንተኾነ ግና ምንም ሃስያ ዘይምብጽሑ ጋዜጣ ዴይሊ ኣፍቶንብላዴት ጸብጺባ። እቲ ተዂሲ ብድምጺ ርችት ሓድሽ ዓመት ተዓቢሱ ኣቓልቦ ክስሕብ እኳ እንተዘይከኣለ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቲ መስጊድን ምንጪ እቲ ተዂሲን ከም ዝመርመሩ ኣፈኛ ፖሊስ ማልሙ ኣና ጎራንሰን ሓቢራ። እቲ ተዂሲ ብብዝሒ ናብቲ መስጊድ ዘቕንዐ ምንባሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ፖሊስ ነቲ ገበን ምምርማር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com