Friday , April 26 2024
Bild: Johan Nilsson/TT

ክልተ ደቀንስይዮን ሓደ ሰብኣይን ብፈተነ ቕትለት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ።

ፖሊስ ኣብ ሞልንዳል ክልተ ደቀንስይዮን ሓደ ሰብኣይን ብፈተነ ቅትለት ኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።

እቶም ፖሊስ ሓሙስ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ እዮም ናብቲ ቦታ ምስ ተጸውዑ ሓደ ሰብኣይ ብስሕለት ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ ጸኒሕዎም።

ብመሰረት ዌብሳይት ሓበሬታ ፖሊስ ምኽንያት መልዓሊ እቲ እምባጓሮ እንታይ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን። ምናልባት ኣብ ድግስ ዝለዓለ ተራ ዘይምርድዳእ ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ሓበሬታ ኣለዎም።

ኣብ ምምጾኦም እቶም ፖሊስ ኣብ ርእሱ ዝተፈግአ ሰብ እዮም ረኺቦም።

ክልተ ደቀንስይዮን ሓደ ሰብኣይን እቲ ሰብኣይ ወዲቑ ከም ዝደመየ እኳ እንተገለጹ ፖሊስ ኣብ መጒዳእቲ እቲ ሰባኣይ ተሳቲፎም እዮም ብዝብል ጠርጠራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም ኣለዉ።

ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ስሕለት ሒዛ ምስ ምርካባ ኸኣ ምናልባት ፈተን ቕትለት ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝብል ጠርጠራኦም ክብ ኣቢልዎ’ሎ።

እቲ ጉዱእ ናብ ሳህልግረንስካ ሆስፒታል ከም እተወስደን ምንም ዘስግእ ጒድኣት ከምዘይበጽሖን ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com