Monday , April 29 2024

ዜና

ናይ ነዳዲ ቱቦ ብምፍንጃሩ 150 ሰባት ሞይቶም

እቶም ኣብ ደቡብ ምዕራብ ናይጀርያ በቲ ምፍንጃር ቱቦ ነዳዲ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ክሳዕ 150 ደዪቡ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ጠንቂ፡ ነቲ ነዳዲ ንምውሳድ ብዚግበር ዘይሕጋዊ ተግባራት እዩ። ነዚ ካብቲ ቱቦ ዚነዝዕ ነዳዲ ወሲዶም ኪሸጡ ዚደልዩ ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ተግባርዚ እቲ ቱቦ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኪፍንጀር ክኢሉ። መጀመርያ 19 ሰባት ከም ዝሞቱ ተነጊሩ፡ ብድሕርዚ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት እቲ ቍጽሪ ግዳያት ሞት ክሳዕ 150 …

Read More »

እቲ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕጊ ንኸይቅየር

ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣቦመንበር ካርል ፐተር ቶርቫልድሶን፡ እቲ ስተፋን ሎፍቨን ምስ ሰንተርን ሊበራልን ኮይኑ ዚምስርቶ መንግስቲ ነቲ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት LO ሕጊ ከየበላሽዎ ይሰግእ። – ብዛዕባቲ ሕቲ ንምዝታይ ኣይጸልእን ግን ብሓደ ወገን ጥራይ ዚግበር ለውጢ ነቲ ሕጊ ከበላሽዎ ይኽእል እዩ። – ነቲ ጠለባት ቁጠባዊ ህይወት ሽወደን ከም ዚዓግብ ምግባርን ነቲ ዚወርድን ዚድይብን ናይ ኣቕሓ ይኹን ናይ ኣገልግሎት ፍርያት ንምምሕዳር ጽቡቕ …

Read More »

ስዑዲ ዓረብ ንቕትለት ካሾጊ ትእመኖ ትመስል

ኣባላት ፖሊስ ቱርኪ ሎሚ ለይቲ ኣብቲ ናይ ስዑዲ ቆንስል ቤትጽሕፈት ብምእታው ገለ ንመርትዖ ዘገልግል ነገራት ወሲዶም። ብመሰረት CNN    ዚብሃል ማዕከን ዜና ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅትለት ካሾጊ ክትእመኖ ዝደለየት ትመስል ይብል፡ ነቲ ቅትለት ድማ ከም ኣብ መርመራ እተፈጸመ ጌጋ እዩ ትብሎ።T ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ እውን ነዚ ስዑዲ እትብሎ ዘላ መግለጺ ብምድጋፍ፡ እቲ ንጉስ ምስቲ ቅትለት ምንም ምትእስሳር ከም …

Read More »

ስቨርየ ደሞክትራተርና SD፡ ንሞደራተርናዊ M መንግስቲ ደው ከብሉዎ ይሓስቡ

መራሒ ሞደራተርና፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ብሞደራት ዚምራሕ ወይ ድማ ብልፍንቲ ሞደራትን ክሪስትያን ደሞክራስን KD ዚምራሕ መንግስቲ ከቕውም ድሉው እዩ። ማእከላይ ሰልፊ ነቲ መራሒ ሞደራተርና ነቲ መደቡ ወግዓዊ ብምግባሩ ይነቕፎ። ሽወደናዊ ደሞክራሳውያን SD ነቲ ናይ ክሪስተርሶን ትልሚ ደው ከብሉዎ ይደልዩ። ”ንሕና ምንም ጽልዋ ከም ዘይብልና ብግልጺ ዚዛረብ መንግስቲ ዕድል ክንህቦ ኣይንደልን” ይብል ጂሚ ኦከንሶን ናይቲ SD መራሒ። “ምንም ናይ SD ጽልዋ” እቲ …

Read More »

ግዜያዊ ሕጊ ወጻእተኛታትን፡ ሳዕቤኑን

ስድራቤት ዝኣኻኽብ መሰል ብ2016 ተደሪቱ። ብዙሓት ቤተሰቦም ከይርኣዩ ሰለስተ ዓመታት ተጸቢዮም። ሕጂ ናይቲ ሕጊ ሳዕቤን ይረአ ኣሎ። ሓድሽ ጸብጻብና፡ ናይቶም ግዳያት ሓፈሻዊ ጭንቀት ኣእምሮ የርኢ። ቀዪሕ መስቀል፡ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምርመራ ኣካዪዱ። ነዚ ድማ ብመገዲ’ቲ እተዋህበ ብዪን፡ ብመገዲ ምስ ግዳያትን ምስ ተወከልቲ ኣብያተጽሕፈት እተገብረ ቃለምልልስ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ሚግረሽን፡ ኣካዪድናዮ። ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 5

ዝኸበርካ ኣቦይ ዓዲ ከመይ ኣሎ፡ ዝዓበየን ዝነኣሰን? ኣቦ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝነገርኩኻ፡ እዛ ዘለኹዋ ገዛ ናይ ሰላም ገዛ ክትኮነለይ እምነ፡ ከመይሲ እቶም ናይቲ ገዛ ብጾተይ ዘይኮኑስ፡ እቶም ኪበጽሑ ዝመጹ እዮም ገዲዶምኒ ዘለዉ። ቀዳመሰንበት፡ ነቲ ናይጀርያዊ ኪበጽሕ ዚመጽእ መንእሰይ ኣሎ። ባዕሉ ናይጀርያዊ እዩ፡ ናይ ጥንቆላ ነገራት ድማ ይፈቱ። ሚግረሽን ጌና ስለ ዘይተቐበሉዎ፡ ናብ ዓዱ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ጸላም ደርሆ ሓሪዶም ኣብቲ ኣፍደገ ገዝኡ …

Read More »

ተሪ ሄንሪ ናብ ክለብ ሞናኮ የምርሕ

ክለብ ሞናኮ ተዓዋቲት ሊግ 1 ፈረንሳ 2017 ንፍርቂ ፍጻሜ ውድድር ቻምፒዮን ሊግ ዝበጽሔትን ጋንታ ዝነበረት ዓባይ ክለብ ኮይና፣ ኣብዚ ውድድር ወቕቲ ግን ብቕዓታ ብምውርራዱን ካብ 9 ጸወታታት 6 ነጥቢ ብምምዝጋብ ን ክልተ ክለባት ቀዲማ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ሰሌዳ ተቐሚጣ ትርከብ። እዚ ድማ ኣኻይድቲ እንታ ጋንታ ክጻወርዎ ብዘይምኽኣሎም ን ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ሊዮናርዶ ጃርዲም ብምብራር ምስ ፍርያት እዛ ጋንታ ዝኾነን ኣብ …

Read More »

እንኮ  ፈታሕ ጸገም ማድሪድ ብ ሃዛርድ ዶ ይፍታሕ ይከውን

ጋንታ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምግዳፍ 5 ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለምና ሮናልዶን ኣሰጣኒ ዘዳንን ኣብዚ ዘልናዮ ናይ ውድድር ውቕቲ ተደጋጋሚ ነጥቢ ብምጥፋእ ኣብ ቅልውላው ትርከብ። እዚ ድማ ን ኣካየድቲ ዛ ጋንታን ደገፍቲ እዛ ክለብን ኣብ ሻቅሎት ሸሚምዎም ይርከብ። እዛ ጋንታ ዓወት ካብ ዝሕረማ 5 ጸወታታት ሸቶ ካብ ዘይተመዝግብ ድማ ኣስታት 6 ሰዓትን 49 ደቂቅን ኣሕሊፋ ትርከብ ብመሰረት ደጋፊት እዛ ጋንታ ዝኾነ ጋዜጣ …

Read More »

ንመንግስቲ ዘታለለት ጉዳመኛ ሰበይቲ

64 ዝዕድመኣ ሰበይቲ ካብቲ ናይ ደንማርክ ቤትጽሕፈት ህጻናት ማሕበረሰብን 111 ሚልዮን ናይ ዳንማርክ ክሩኑር ኣታሊላ ወሲዳ። ሕጂ ኣብ ኩሉ ዓለም ትድለ ኣላ፡ ይሕብር እቲ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ። እዚ ገበንዚ ከም ኣዚዩ ከቢድ ወንጀል ኮይኑ እዩ ናብቲ ኣኽባር ሕጊ እተሓበረ። ብመሰረት ምርመራ ፖሊስ፡ እዚ ናይ ምትላል ፍጻመ ካብ 2002 ክሳዕ 2018 እዩ ቀጺሉ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ እዛ ጉዳመኛ ሰበይቲ ነቲ …

Read More »

ሕ.መ ነቲ ናይ ካሾጊ ጉዳይ ኪምርምሮ ይደሊ

ናይ ሕ.መ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቱርክን ስዑዲ ዓረብን ንጉዳይ ናይቲ ሰሙን ይገብር ኣብቲ ኣብ ኢስታንቡል፥ ቱርኪ፡  ዚርከብ ቆንሱል ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተወ ደሃዩ ዝጠፍአ ተቓዋማይ ጀማል ካሹጊ ኪምርመር ይደሊ። ካሾጊ ክሳዕ ሕጂ ብህይወቱ ምህላዉ የጠራጥር። ብመሰረት ቱርካዊ ተጣባቒ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ዕድል ተጠቒማ እያ ነዚ ዚህውኻ ዝነበረ ጋዜጠኛ ዝቐተለቶ። እቲ ብዛዕባኡ ዚብሃል ዘሎ ኩሉ ሓቂ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ እዚ ብሓቂ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com