Thursday , May 16 2024

ዜና

ህንዲ – ንሰራሕተኛታቱ 600 መካይን ዝሃበ ኩባንያ

ሃሪ ክሪሽና ዝተባህለ ኣብ ንግዲ ኣልማዝ ዝነጥፍ ኩባንያ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ን600 ሰራሕተኛታቱ ነፍሲ-ወከፎም ሓንቲ መኪና ብህያብ ከምዘረከበ መርበብ ሓበሬታ ያሁ ኣፍሊጡ። ኣብ ህንዲ፡ ዲዋሊ ዝተባህለ ባህላዊ ፌስቲቫል ክቐርብ እንከሎ ህያባት ምልውዋጥ ልሙድ እኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ግዝፍን ብዝሕን ዘለዎ ህያብ ግን ተራእዩ ከምዘይፈልጥ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ፌስቲቫል ዲዋሊ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዕለት 7 ሕዳር ክጽንበል ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ዋጋ ናይተን መካይን …

Read More »

ስዊድን ንዳግመ ውዳበ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ትድግፍ

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ርክቡ ንዳግመ ውዳበ ኣብ ዝምልከት ዕማም ስርሑ ክቕጽል እዩ። ስዊድን ድማ ነዚ ናይ ዳግመ ውዳበ ኣጀንዳ ተተባብዕ ኣላ። ዳይረክተር ጀነራል ምትሕግጋዝ ኣህጉራዊ ምዕባለ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊድን ዝኾነ ዮሃንስ ኦልየሉንድ ንሬድዮ ስዊድን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣” ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፣ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣፍሪቃዊ ዋንነት ከረጋግጸሉ ዝኽእል ዓቕሚ ክህልዎ …

Read More »

ከተማ ጉተንበርግ ኣብ ቤት-ትልሂት (ዲስኮ) ንዘጋጠመ ዘሰቅቕ ባርዕ ክትዝክር’ያ

ሎሚ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሽወደን ካብ ዘጋጠሙ፡ እቲ ዝኸፍአ ቀዛፊ ባርዕ ሓዊ ኢዩ። ሽዑ፡ ባካፕላን ኣብ ዝተባህለ ዞባ ከተማ ጉተንበርግ ኣብ ዝተኻየደ ድግስ ባህላዊ-በዓል “ሃሎዊን” (Halloween) ኣብ ዝተላዕለ ባርዕ፡ 200 ሰባት ቆሲሎም፡ 63 ከኣ ሞይቶም። ቦቢ፡ ሓደ ካብቶም ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብኡ ዝነበሩ ኢዩ። ንሱ ንሬድዮ ሽወደን ፒ-3 (P-3) ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሙዚቃ ሃንደበት …

Read More »

መሓዙታ ጽቡቕ ክዳን ከይክደና ዝኸልከለት መርዓት

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሓንቲ ስማ ክትጥቀስ ዘየፍቀደት መርዓት፡ ኣብ ዕለተ-መርዓኣ መሓዙት ክኾና ንዝሓረየተን መሓዙት ኣዝዩ ሰሓቢ ዝኾነ ክዳውንቲ ከይለብሳ ድሕሪ ምኽልካላ፡ እቲ ጉዳይ ኣርእስቲ ማሕበራዊ ጉዳይ ኮይኑ ቀንዩ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሚረር ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ዓዲ እንግሊዝ፡ እታ ወይዘሪት ድሮ’ቲ መርዓ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ምድላው፡ ነተን መሓዙት ብምእካብ “ኣብዛ እንኮ ዕለት’ዚኣ ኣነ ንግስቲ ስለዝኾንኩ፡ ካብ ኩሉኽን ጸቢቐ ክርአ ኣለኒ። ማእከል ስሕበት …

Read More »

ካብ ውሕጂ ንምድሓን ኣብ ኣባጊዕ ዝሕዘላ ማናቲለ

ኣብ ሳውዝ ኣይላንድ ዝተባህለ ከባቢ ናይ ኒውዝላንድ ድሕሪ ዘጋጠመ ውሕጅን ዕልቕልቕን፡ ሓደ ሰብ ናይ ጎረቤቱ ኣባጊዕ ከብኪቡ ንገዝአን ክመልሰን ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ሓያሎ ካብኣተን ማናቲለ ሓዚለን ምስ ጸንሕኦ፡ ነቲ ዝረኣዮ ነገር ክኣምኖ ስለዘጸገሞ፡ ኣዝዩ ቀዘዘ። እተን ካብቲ ከቢድ ውሕጅ ንምምላጥ ካልእ ኣማራጺ ዘይነበረን ናይ በረኻ ማናቲለ፡ ክልተ ኣብ ዝባን ሓንቲ በጊዕ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ካልእ በጊዕ እየን ተሓዚለን ጸኒሐንኦ። እቲ …

Read More »

ርያል ማድርድ ምስ ኣሰልጣኒ ኮንተ ተሰማሚዓ

ኣብ ክራማት ድሕሪ ክርስትያኖ ናብ ኢጣልያዊት ጁቨንቱስ ምስግጋሩን ኣሰጣኒ ዜዳን ካብ ምስልጣን ብወለንትኡ ካብ እዛ ጋንታ ምእላዩን ክለብ ርያል ማድሪድ ተወዳዳሪት ክትከዉን ይትረፍስ በተን ዝተሓታ ክለባት ከይተረፈ ክትድፈርን ብተኸታታሊ ን ኣርባዕተ ጸወታ ስዕረት ተሓሪምዋ ትርከብ። ማድሪድ ድሕሪ ናይ ሳልሳይ ተከታታሊ ዓወት ቻምፕዮን ሊግ ኤውሮጳ ኣብ ምጅማር ናይዚ ወቅቲ ኣካይድቲ እዛ ክለብ ንኣሰልጣኒ ጁለን ለብታጎ ካብ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ብምቁጻር …

Read More »

ጸገማት ምስማዕ ኣብ መንጎ ስደተኛታት

ካብ ዞባ ኲናት ዝመጹ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዝውቱር ጸገማት እዝኒ፡ “ምስማዕ” ማሕሙድ ኹጃ፡ “ኣነ፡ እቲ ነቱጊ ክመጽእ ከሎ፡ ኣፈይ ክኸፍትን እዝነይ ክዓብስ (ክዓጹ) ከምዘለኒ ተማሂረ፡” ይብል። ብመሰረት ጸብጻብ ቲቪ ሽወደን፡ 4 ካብ 10 ካብቶም ኣብ ምምሕዳር (ሙኒሲፓሊቲ) ሱነን ቶርስቢን፡ ወረዳ ቫርምላንድ ዝነብሩ ስደተኛታት ናይ እዚ (ምስማዕ) ጸገማት ኣለዎም። ናይዚ ጸገም ካብ ዝፈጠሩ ጠንቂ ረቛሒታት ሓደ፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኲናት ኢዩ። ማሕሙድ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣንስቶም ዝሃርሙ ሰብኡት ደዊሎም ምኽሪ ዝረኽቡሉ ናይ ቴሌፎን መስመር ክጅመር እዩ

እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ዝኽፈት መስመር ቴሌፎን ካብቶም ኣብ ልዕሊ መጻምዶም ወይ ደቆም ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ወይ ድማ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ተግባር ከይፍጽሙ ዝሰግኡ ሰባት ናይ ቴሌፎን ጻውዒት ተቐቢሉ ብኸመይ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ነብሶም ክገትኡ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝህብ ክኸውን እዩ። እታ ኣብ ቦርድ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ስቶክሆልም ነቲ ፕሮጀክት እትመርሕ ዘላ ክሪስቲና ኤሪክሰን ንሃገራዊ መደበር …

Read More »

“ንነብዪ መሓመድ ምንሻው ብመሰል ምግላጽ ሓሳብ ክምኽነ ኣይክእልን” ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት

ሓንቲ ኦስትርያዊት ኣብ ሰሚናር ንነብዪ መሓመድ ብምንሻዋ ብኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ገበነኛ ተባሂላ። ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓሙስ ካብ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ንዝመጸ ውሳነ ብምጽዳቕ ንነብዪ መሓመድ ምንሻው “ኪኖ ፍቑድ ደረት ወድዓዊ ክትዕ ዝኸይድ” ከምኡ’ውን “ቅድመ-ፍርዲ ኣለዓዒሉ ንሃይማኖታዊ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል” ብምዃኑ ካብ ፍቑድ ደረት መሰል ምግላጽ ሓሳብ ዝሓልፍ እዩ ብምባል ወሳነኡ ኣመሓላሊፉ። እቲ ሸውዓተ ኣባላት …

Read More »

ኮሙን ትረለቡሪ፡ ዕድመኦም ብሓሶት ንዘመዝገቡ ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ክጠርዕ’ዩ

ናይ ሽወደን ዴሞክራሲያውያን (ኤስዴ)ን ሞደራተርናን (ኤም)፡ ብዝዕባ ሓደ ዝርዝር እማመታት ምስምማዖም ቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። ገለ ካብ’ቶም እማመታት፡ ብዛዕባ ዕደመኦም ንዝሕስዉ ትሕቲ ዕድመ ስደታትኛታት ናብ ፖሊስ ምጥራዕን ንሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ተንቀሳቐስቲ ኣባይቲ (ሁስቫግናር) ከም ዝነብሩ ምግባርን ዝብሉ ይርከቡዎም። “ሸውዓተ እማመታት ብቐጥታ ክጸድቁለይ፡ ለበዋ ተእትዩለይ ኣሎ፡” ይብል ናይ ሽወደን ዴሞክራሲያውያን መራሒ ጕጅለ ናይ’ቲ ኮሙን ዝዀነ ሄልሙት ፔተርሰን። ኣብ ትረለቡሪ ኮሙን ዝነበረ ክርፍስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com