Friday , April 26 2024
Vilhelm Stokstad/TT

ኮሙን ትረለቡሪ፡ ዕድመኦም ብሓሶት ንዘመዝገቡ ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ክጠርዕ’ዩ

ናይ ሽወደን ዴሞክራሲያውያን (ኤስዴ)ን ሞደራተርናን (ኤም)፡ ብዝዕባ ሓደ ዝርዝር እማመታት ምስምማዖም ቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። ገለ ካብ’ቶም እማመታት፡ ብዛዕባ ዕደመኦም ንዝሕስዉ ትሕቲ ዕድመ ስደታትኛታት ናብ ፖሊስ ምጥራዕን ንሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ተንቀሳቐስቲ ኣባይቲ (ሁስቫግናር) ከም ዝነብሩ ምግባርን ዝብሉ ይርከቡዎም።

“ሸውዓተ እማመታት ብቐጥታ ክጸድቁለይ፡ ለበዋ ተእትዩለይ ኣሎ፡” ይብል ናይ ሽወደን ዴሞክራሲያውያን መራሒ ጕጅለ ናይ’ቲ ኮሙን ዝዀነ ሄልሙት ፔተርሰን።

ኣብ ትረለቡሪ ኮሙን ዝነበረ ክርፍስ ስልጣን፡ ኤስዴ ንሞደራተርና ደገፎም ክህቡ እንከለዉ ገለ ካብ እማመታቶም ብቐጥታ ክጸድቀሎም ሓደ ካብ ዘቕረቡዎ ጠለባት’ዩ ነይሩ።

ሚካኤል ሩቢን (ኤም)፡ ሞደራተርና፡ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ተርታ ክራይ ኣባይቲ ቀዳምነት ንኸይወሃቦም ንዝብል እማመ ብምድጋፍ ድምጺ ክህብ ምዃኑ ይሕብር። እንተዀነ፡ ኣብ ዝርዝራት ክኣቱ ኣይደለየን።

ብኣንጻሩ፡ ሄልሙት ፔተርሰን እንታይ መብጽዓ ከም ዝተኣተወሎም ንቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ ኣሎ። ብጠቕላላ፡ ሸውዓተ እማመታት ብቐጥታ ንኤስዴ ክጸድቁሉ ምዃኖም ቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ።

“ከም’ዚ ዓይነት ሓገዝ እንተ ዘይንረክብ ነይርና፡ እዚ ዝገበርናዮ ኣይምገበርናን። ንኣባልነት ቤት ምኽሪ ኮሙን’ውን ንነብሰይ ኣይምሓጸኹዋን፡” ብምባል ንቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ ፔተርሰን።

ሄልሙት ፔተርሰን፡ ዕድመኦም ሓስዮም ንዝነገሩ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ምጥራዕ ንዝብል እማመ ኤስዴ፡ ሞደራተርና ደጊፉ ከድምጽ ምዃኑ ይምጕት። ካልኣይ እማመ ድማ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኮሙን ስታፋንስትሩፕ ቅድሚ ሕጂ ዝገበረቶ፡ ኮሙን ትረለቦሪ’ውን፡ ንቐረብ መንበሪ ኣባይቲ ዝመልከት ሕጊ፡ ተንቀሳቐስቲ ኣባይቲ (ሁስቫግናር) ብምቕራብ ግቡኣ ከተማልእ እያ።

ተንቀሳቓሲ ቤት፡ ብቑዕ መንበሪ ቤት ድዩ ንዝብል ካብ ቴሌቪዥን ሽወደን ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ብርግጽ” ብምባል’ዩ መሊሱሉ።

እቶም ካልኦት እማመታት’ከ ከመይ ዝበሉ ምዃኖ ንምሕባር ግን ሄልሙት ፔተርሰን ፍቓደኛ ኣይኰነ። እንተዀነ፡ ንኮሙን ትረለቦሪ ኣብ ምምራሕ፡ ኤስዴ ዕዙዝ ተራ ክህልዎ ምዃኑ ርግጸኛ እዩ።

“ገለ ካብ’ቶም እማመታት፡ ሞደራተርና ባዕላቶም ከቕርቡዎም ተኽእሎ ዝነበሮም እዮም። ገለ ነገር ክፍጸም እንተዀይኑ ሕጂ፡ ንሕና ጐይቶት’ቲ ሓሊ ሚዛን ኢና። ብሓቂ ንምዝራብ፡ ኤስዴ ወሳኒ መጻኢ ትረለቦሪ እዩ፡” ብምባል ንቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com