Friday , April 26 2024
Lex van Lieshout / ANP / TT

“ንነብዪ መሓመድ ምንሻው ብመሰል ምግላጽ ሓሳብ ክምኽነ ኣይክእልን” ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት

ሓንቲ ኦስትርያዊት ኣብ ሰሚናር ንነብዪ መሓመድ ብምንሻዋ ብኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ገበነኛ ተባሂላ።

ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓሙስ ካብ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ንዝመጸ ውሳነ ብምጽዳቕ ንነብዪ መሓመድ ምንሻው “ኪኖ ፍቑድ ደረት ወድዓዊ ክትዕ ዝኸይድ” ከምኡ’ውን “ቅድመ-ፍርዲ ኣለዓዒሉ ንሃይማኖታዊ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል” ብምዃኑ ካብ ፍቑድ ደረት መሰል ምግላጽ ሓሳብ ዝሓልፍ እዩ ብምባል ወሳነኡ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሸውዓተ ኣባላት ብዝሓቖፈ ጉጅለ ደያኑ ዝተዋህበ ውሳነ ክመሓላለፍ ዝኸኣለ እታ ኦስትርያዊት ኣብ 2009 “መሰረታዊ ሓበሬታ ብዛዕባ እስልምና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘካየደቶ ክልተ ሰሚናራት ንናይ ነብዪ መሓመድ መውስቦ ብምንሻዋ እዩ።

ብመሰረት እቲ ብሓሙስ ካብቲ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ናይ ቬና ዞባዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ብለካቲት 2011 ንሃይማኖታዊ ሰረተ-እምነታት ብምንሻዋ ንሚስተርስ ኤስ ብገበን ፈሪዱ ኣስታት 547 ዶላር ክትከፍል እንተላይ ወጻኢታት መስርሕ ፍርዲ ክትሽፍን ወሲኑ ነይሩ እዩ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ “ሚስተርስ ኤስ ይግባይ እኳ እንተሓተተት እቲ ናይ ቬና ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ውሳነ ኣብ ታሕሳስ 2011 ብምጽዳቕ ንቅኑዕነት ናይቲ ብታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ኣረጋጊጹ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከም ብሓድሽ ክካየድ ንዝቐረበሉ ጠለብ ብ11 ታሕሳስ 2013 ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ ነጺግዎ” ይብል።

“ሚስተርስ ኤስ ንዓንቀጽ 10 (መሰል ምግላጽ ሓሳብ) ብምጥቃስ ዘቤታውያን ኣብያተ ፍርዲ ንትሕዝቶ ናይቲ ዘከራኸረ መግለጺኣ ብመንጽር መሰል ምግላጽ ሓሳብ ኣጸቢቖም ኣይመርመርዎን ክትብል ቅሬታኣ ኣቕሪባ።”

ኣብቲ ሎሚ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ኤውሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት “እቶም ዘቤታውያን ኣብያተ ፍርዲ ንመግለጺ ኣመልካቲት ብመንጽር ጭቡጥ ኲነት ገምጊሞምን ነቲ ናታ መሰል ምግላጽ ሓሳብ ምስቲ ካልኦት ሃይማኖታዊ ስምዒቶም ክሕለወሎም ዘለዎም መሰል ብጥንቃቐ ኣመዛዚኖም ንሕጋዊ ዕላማ ምዕቃብ ሃይማኖታዊ ሰላም ኣብ ኦስትርያ ዘገልግል ውሳነ እዮም ኣሕሊፎም” ክብል ገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ እቲ ዘከራኸረ ናይ ተኸሳሲት መግለጺ ኣንጻር ነብዪ መሓመድ ዝተሰንዘረ ውጹዕ ናይ ዘለፋ መጥቃዕቲ ምዃኑ ብምንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲት ዝተዋህበ ብይን ነቲ ብዛዕባ መሰል ምግላጽ ሓሳብ ዝገልጽ ዓንቀጽ 10 ናይ ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘይጻረር ኣረዲኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com