Thursday , May 16 2024

ዜና

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፥ ንምእሳር ሓደ ሽወደናዊ ኣብ ቱርኪ የረጋግጽ  

ብመሰረት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ሓደ ኣብ ቨስትራ ዮተላንድ ዚቕመጥ ወዲ 45 ዓመት ሽወደናዊ ኣብ ዲያርካቢር እትበሃል ከተማ ደቡብ ቱርኪ ተኣሲሩ ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቆንሱል ሽወደን ካብ ሰበስልጣን ቱርኪ ሓበሬታ ይእክብ ኣሎ፡ ማለት ስለምንታይ እቲ ሰብ ከም እተኣስረ። ብመሰረት ሰበስልጣን ቱርኪ፡ እቲ ሽወደናዊ እተኣስረሉ ምኽንያት ምስቲ PKK እተባህለ ግንባር ሓርነት ኩርድ ስለ እተሓባበረ እዩ። ንሱ ኣብቲ ኣኼባኦም ከም እተረኽበ …

Read More »

ኣብ ፕላስቲክ ተዓሺገን እተደርበያ ደማሙ

ኣብ ስካራ እተባህለ ቦታ፡ ክልተ ጥዑያት ደማሙ ኣብ ፈስታል ተዓሺገን ተደርብየን ተረኺበን። እዚ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሓያል ግብረመልሲ ፈጢሩ። እዚ ፍጻመዚ ብሓደ ኣኽላባቱ ዘዛውር ዝነበረ ሰብ እዩ ተሓቢሩ። እተን ደማሙ ኣብ ናይ ስተንሁም ገዛ ደማሙ ተዓቝበን ኣለዋ። – ብጥዕናአን እየን ዘለዋ፡ ቀልጢፍና ኢና ረኺብናየን፡ ትብል ኤቫ ሀልክቪስት ኣካያዲት ገዛ ደማሙ። ሓንቲ 8-10 ኣዋርሕ ዝዕድመኣ ክትከውን ከላ እታ ካልአይቲ ድማ ኣስታት 8 …

Read More »

ካብ ኣብ ቤትትምህርቲ፡ ኣብ ገዛ ኪውዕሉ ዚመርጹ ተማሃሮ

ኣብ ኤስኪልቱና መባእታዊ ቤትትህርቲ 400 ተማሃሮ ትምህርቲ ኣብኵሮም። ስለዚ እቲ ኮሙን ነቲ ጸገም ብዕቱብ መገዲ ይርእዮ ኣሎ። ኤማ ላሾን ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ናይ ኤስኪልቱና ፍሪቲድስሁስ መራሒት ፕሮጀክት ኮይና ሰሪሓ እያ። ኣብኡ ንገለ ተማሃሮ ኣዘራሪባ። ንሳቶም ከም ዚብሉ፡ እቲ ጸገም ኣብ መለስተኛን ኣብ 2ይ ደረጃን እዩ ጀሚሩ። ግን ኣነ ዝገርመኒ ከመይ ኢሎም ክንድዚ ዝኣኽሉ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ የብክሩ፡ ትምህርቲ ግዴታ ምዃኑ …

Read More »

እቲ ንመንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ግዜያዊ ሕጊ ብናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ተጣሒሱ።

ብመሰረት ማዕከን ዜና ሚግረሽን፡ ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትኦም ሲርያውያን ምስ ስድራቤቶም ንኪራኸቡ ኪፍቀደሎም እዩ። ሓደ ቅድሚ ሕዳር 25-2015 ንዕቝባ ኣመልኪቱ ዝነበረ ሲርያዊ ዜጋ፡ እዚ ግዜያዊ ሕጊ ኣብ 2019 ምስ ወደቐ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ። እዚ በቲ ናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እዩ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተወሰነ። ብመሰረት ማዕከን ዜና ሚግረሽን፡ እዚ ንግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ግዜያዊ ሕጊ ዚቕጽል ኣይመስልን። ግን …

Read More »

ስቨርየ ደሞክራተራዊ ስተፋን ቦርይ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ቤትምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣቦመንበርነት ከም ሕጹይ ኮይኑ ኣይኪቐርብን እዩ

ስቨርየ ደሞክራተራዊ ስተፋን ቦርይ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ቤትምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣቦመንበርነት ከም ሕጹይ ኮይኑ ኣይኪቐርብን እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ እቲ መድያ ኣብ ልዕሊኡ ብዘለዎ ኣረኣእያ እዩ። ስተፋን ቦርግ ኣብ ፈይስቡክ ንሕብረጾታውያን (LGBT) ብምንሻዉ ተነቒፉ እዩ። ንሱ ኣብቲ ዚጽሕፎ ርእይቶታት ናይ ጸዓዱ ስልጣን ከም ዚደሊ ይረአ ኣሎ። “እቲ ናባይ ዝቐንዐ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዚረአ ዘሎ ነቐፌታ ኣብቲ ናይ ሆርቢ ምርጫ ነቲ ሰልፊ …

Read More »

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን  ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራዉያን ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት ሽወደን ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ያቭለ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ብኣዳላውነት ብስዊድናዊ ማሕበር ኣሲል ኮሜቴን ምጥርናፍ ስድራቤት ብዝብል መጸውዒ ናይ ዝተጠርነፉ ስድራቤታት ተወከልቲ ኮሜቴን ብሓባር ዝተዳለወ ሰልፊ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ብዝሒ ተሳታፋይ ከምዝነበሮን ተፈሊጡ። ተሳተፍቲ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ተግባር ውዒሉ ዘሎ ግዝያዊ ሕጊ ናይ ሚግረሽን ንዝሳዓበ ስድራቤታዊ ምፍልላይን እሱ ዘከተሎ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥታትን …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚግረሽን ስዊድን ጉዳይ ንዘለኩም

ቤት ጽሕፈት ሚግረሽን ብዘተኣታትዎ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ መሰረት ጉዳይኩም ኣቅሪብኩም መልሲ ከይተዋሃበኩም  ካብ ሽድሽተ ወርሒ እንተ ሓሊፉ ጉዳይኩም ንኺውሰነልኩም ንምሕታት  (Begäran om att avgöra ärende/ ጉዳይ ንኽፍጸመልካ መሕተቲ )ነዚ ፎርም’ዚ ተጠቐሙ። እዚ ዕድል እዚ ሓንሳብ ጥራሕ ዝወሃብ እዩ። ሚግረሽን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙናት ነቲ ጉዳይ ኪቕበሎ ወይ ኪነጽጎ እዩ። ሚግረሽን ነቲ ጉዳይ እናረኣዮ ኸሎ ኢኹም መጠየቕታኹም ወይ ማመልከቻኹም እተቕርቡ። እቲ …

Read More »

ብግብረሽበራ ሓምሻይ ሰብ ተታሒዙ

ሓደ 38 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብ ንግብረሽበራ ብምምዋሉ ተታሒዙ ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ ኣብቲ ኣብ ሶልና ወረዳዊ ፍርድቤት ዚካየድ ዘሎ ንግብረሽበራ ዚምልከት ጉዳይ፡ 5ይ ኮይኑ እዩ ዚተሓዝ ዘሎ። ኣኽባር ሕጊ ፐር ሊንድክቪስት እቲ ጉዳይ ጌና ይቕጽል ከም ዘሎ ይሕብር። ክሳዕ ሕጂ 4 ተታሒዞም ኣለዉ። ክልተ ካባታቶም ንግብረሽበራ ዝተሓባበሩ ኪኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ምምዋል ግበርሽበራ እተዋፈሩ እዮም። እቶም ሰለስተ ኣብ …

Read More »

ኣብ ኮንጎ ብዙሓት ተቐቲሎምን ተጨውዮምን

ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዚርከቡ ሸፋቱ ኣብ ከተማ በኒ ብውሕዱ 11 ሰባት ቀቲሎም 15 ድማ ጨውዮም። እቲ ሬሳታት ናይቶም ዝሞቱ ኣብ ማተተ ዚብሃ ቁሸት እዩ ተረኺቡ። ኣብ መንጎቶም እተጨውዩ፡ ካብ 5-10 ዓመት ዝዕድመኦም 10 ህጻናት ይርከቡዎም። እቲ መጥቃዕቲ በቶም ናይ ኡጋንዳ እስላማዊ ሚሊሻ እዩ ተኻዪዱ። ኮንጎ ኪንሻሳ ብናይ ኤቦላ ሕማም ትጥቀዓሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ከምዚ ዝበለ ጸገማት ነቲ ሕማም ንምቍጽጻር ዕድል …

Read More »

ኣብ ታይዋን ብሓደጋ ባቡር ብዙሓት ሞይቶም

ኣብቲ ኣብ ታይዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር፡ ብውሑዱ 18 ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ፡ 160 ድማ ተጎዲኦም። 366 ሰባት ኣብታ ባቡር ነይሮም፡ 30 ዝኾኑ ድማ ጌና ኣብታ ካብ መስመራ ወጺኣ እተገልበጠት ባቡር ተዓቢጦም ኣለዉ። “ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር ኢና” ይብል ፕረሲደንት ታይዋን ሳይ ኢንግ ወን ኣብ ፈይስቡክ። እቲ ሓደጋ ኣብታ ዪላን እትብሃል ኣብ ምስራቓዊ ርእሰከተማ ታይፐይ እትርከብ ከተማ፡ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ። ኣብኡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com